ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት/ኢህወዴግ እናተመርሐ ምስ መላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ብዘካየዶ ቃልስን ዝኸፈሎ መሪር መስዋእትነትን ንውልቀ መላኺ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ድሕሪ ምስዓሩ ዘላቒ ሰላምን ውሕስንኡ ዘተኣማምን ዴሞክራስን ንኽሰፍን፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕቤት ንኽረጋገፅ፣ ኣብ ማዕርነትን ዴሞክራሲያዊ ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ዝተመስረተ ሓደ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ማሕበረ-ሰብ ንኽህነፅ ብዝነበሮን ዘለዎን ራእይ ኣብ ምትካል ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘይትካእ እጃሙ ዘበርከተን ኣብ ምብርካት ዝርከብን ምዃኑ፤

ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት/ኢህወዴግ እናተመርሐ ኣብ ዝሓለፉ 27 ናይ ቃልስን ዓወታትን ዓመታት ምስ መላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብሓባር ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ቃልሲ ኣዝዩ ዘብህግን ዓለም ዝመስከረሉን ኩለመዳይ ዓወታት ብምምዝጋቡ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣንፀላልይዋ ዝነበረ ጉዕዞ ቁልቁለት ሓደጋ ምብትታንን ኣብ ምድሓን ርኡይ ተራ ዝነበሮ ህዝቢ ምዃኑ፤

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ፌደራል ኮነ ኣብ ክልላት ብኣውርኡ ኣብ መሓውር መንግሰትን ንዕኡ ዝመርሕ ውድብን ዝተፈጠሩ ውሽጣዊ ፀገማት ዝተጀመሩ ኩለመዳያዊ ዓወታት እናተሰናኸሉ ብቐንዱ ድማ ሰላምን ድሕንነትን ብሄራት፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ እናወደቐ ብምምፅኡ ኢህወዴግ ከም ግንባር ኮነ ኣብ ውሽጡ ዘለዋ ኣሓት ውድባት ብመሰረት ዘካየድኦ ዓሚቕ ገምጋማት ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ተነፂሮም ናብ ምንቅስቓስ ዝተኣተወ ምዃኑ፤

ኢህወዴግ ከም ግንባር ኮነ ኣሓት ውደባት ጎኒ ጎኒ ገምጋማዊ ስራሕቲ ፀገማት ካብ ስሮም ንምምሓው ናብ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተሰጋገርሉ እዋን ንሕገ መንግስትናን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ብኣተሓሳስባን ብተግባርን ዝግለፁ ፀገማት እናተርኣዩን ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደዱን ይመፅኡ ምህላዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሕገ መንግስትናን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትናን ይፍፀሙ ካብ ዘለዉ ጥሕሰታት ውሱን መርኣይታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

ሀ) ንማዕርነትን ሕውነትን ብሄራት፣ ብሄረሰባት፣ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ዝውክል ሕገ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ሰንደቕ ዕላማ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ብዘይ ኣግባብ ብዘይሕጋዊ ባንዴራታት እናተተከአ፣ እናተቐደደ፣ እናተጉሓፈ፣ እናተራኸሰን እናተቓፀለን ምርኣይ ዕለታዊ ፍፃመ እናኾነ ምምፀኡ፤

ለ) ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሃገርና ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሶም ንምንባር፣ ንምስራሕ፣ ንብረት ንምፍራይ ዘለዎም ሕገ መንግስታዊ መሰል እናተጥሓሰ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ እናተፈፀሞምን እናተፈናቐሉን ምርኣይ ልሙድ ተግባር እናኾነ ምምፅኡ፤

ሐ) ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ፌደራሊዝም ብዝፃባእ መንገዲ ሕቶ መንነትን ወሰን-ምምሕዳርን ምኽንያት ዝገበረ ጎንፂ ብምፍጣር ንሕልፈት ሂወት፣ ምጉዳል ኣካልን ዕንወት ንብረትን ዜጋትት የሳጥሕ ምህላዉ፤

መ) እዚ ሃገራዊ ፀገም ከም ዘሎ ኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ከቢድ መስዋእትነት ከፊሉ ከብቅዕ ንዝኸፈሎ ዋጋ ብዘይምጥን ኣብ ክብሩ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍፀሞ ምህላዉ፣ መሬት ናይ ምሰፍሕፋሕ ሕልሚ ነበገሲ ዝገበሩ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀሩ ጎንፂ ዘልዕሉ ጭርሖታት ዘንፀባርቑ ሰልፍታት ክካየዱ ፀኒሖምን ኣለዉን፡፡

ሰ) ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ህዝቢ ከይተሳተፈሉን ዘላቒ ሰላም ብዘየረጋግፅን  ንስምምዕ ኣልጀርስ ግልፅነት ብዘይብሉ መንገዲ ንምትግባር ምንቅስቓስ ምጅማሩ እዚ ህዝቢ ብተሳትፎ ናይ ምውሳን ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ዝጥሕስ ተግባር ስለ ዝኾነ፤         

ብመሰረት ዓንቀፅ 50 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ከምኡ እውን ዓንቀፅ 8 ንኡስ ዓንቀፅ 2 ሕገ መንግስቲ ብ/ክ/መ/ትግራይ ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ብምውካል በዓል ዋና ዝልዓለ ስልጣን መንግሰቲ ትግራይ ኮይኑ ከም ኣካል መንግሰቲ ብመሰረት ድንጋገታት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ዓንቀፅ 9 ንኡስ ዓንቀፅ 1፣ ዓንቀፅ 13 ንኡስ ዓንቀፅ 1፣ ዓንቀፅ 52 ንኡስ ዓንቀፅ 2/ሀ ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ናይ ምሕላው፣ ናይ ምኽባርን ክኽበር ናይ ምግባርን ሕገ መንግስታዊ ግቡእ/ሓላፍነት ስለ ዘለዎ፤  

ኣብ 5ይ ዘመን መበል 12 ሰሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ምይይጥ ተኻይድሎም ክውሰኑ 11 ኣጀንዳታት ንምፅዳቕ ብኽብርቲ ኣፈ ጉባኤ ምስ ቀረቡ ብኣባላት እዚ ቤት ምኽሪ ንህልው ኩነታት ሃገርናን ምኽባር ልዕልነት ሕገ መንግሰትናን ዝምልከት ምይይጥ ብምግባር ኣድላይ ውሳነ (Resolution) ክመሓላለፍ ብሞሽን ተወሳኺ ኣጀንዳ ቀሪቡ ብዝግባእ ተዘትይሉ መበል 12 ኣጀንዳ ኮይኑ ክትሓዝ ብሙሉእ ድምፂ ስለ ስተደገፈ፤

ብመሰረት ደንቢ ቁፅሪ 58/2002 ዓ.ም ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ንምውሳን ተመሓይሹ ዝወፀ ደንቢ ዓንቀፅ 26 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና ብዝግባእ ድሕሪ ምዝታይ እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱን ካልኦትን ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰታት ብእዋኑ ክእረሙ ካብ ዘለዎ ፅኑዕ እምነትን ድሌትን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነትን ብምብጋስ ነዚ ዝስዕብ ውሳነ (Resolution) ምኽባር ልዕልነት ሕገ መንግሰቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ኣመሓላሊፉ ኣሎ፡፡

  1. ኩለመዳይ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምህላዉ፣ ሃገርና ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ህንፀት ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓት፣ ዘላቒ ሰላምን ዴሞክራሲያዊ ስርዓተን ዘመዝገበቶም ድሙቓት ዓወታት ንድሕሪት ዝመልሰን ዘፍርስን ምዕባለታት ምህላዉ፣ ኮታስ ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩናታት ከም ዘሎ ብምርኣይ በዚ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክጥቀሙ ዝእኽእሉ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ፀላእቲ ጥራሕ ምዃኖም ተገንዚብና ኩልና ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓድነትና ኣጠንኪርና ንሃገርና ካብ ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን ክነድሕን ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ይፅውዕ፡፡
  2. ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ናይ ምሕላው፣ ናይ ምኽባርን ክኽበር ናይ ምግባርን ግቡእ/ሓላፍንት ኣለዎም፡፡ እዚ ሕገ መንግስቲ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ዝመሓየሸሉ ግልፂ ዝኾነ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ኣብ ዘለዎ ሃገር ብፋሉላዊ ኣካይዳ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ኮነ ካልኦት ጥሕሰታት ሕገ መንግስቲ እናተፈፀሙ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ሃገርና ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከእትዋ ስለ ዝኽእል መላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዞም ጥሕሰታት ብትረት ብምኹናን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
  3. ኩለን ትካላት ዴሞክራሲ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ሚድያታት ሃገርና ኣብ ምኽባርን ምርግጋፅን ልዕልነት ሕግን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘለወን ግቡእ ብዝግባእ ተረዲአን ሓላፍነተን ክዋፅኣ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
  4. ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ብምትሕብባር ቅድም ክብል ዝጀመሮ ርክባት ህዝቢ ንህዝቢ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕገ መንግስትን ዘላቒ ሰላምን ሓላፍነቱ ንኽዋፃእን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ተፈናቒሎም ንዝመፀኡ ወገናት ድማ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኩሉ ተጠቒሙ እግሪ ከትክሎም ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ የተሓሳስብ፡፡
  5. ህዝቢ ትግራይ ምስ መላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብሓባር ብምዃን ሳላ ዘካየዶ ቃልስን ዝኸፈሎ መሪር መስዋእትነትን ዛጊድ ዘረጋገፆም ድሙቓት ዓወታት ዓቂቡ ከም ወትሩ ንኹሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘለዎ ዓብይ ክብርን ፍቕርን ኣጠናኺሩ ብምቐፃል ንኹሎም ዕንቅፋታት ብትዕግስቲ ክፈትሖም ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
  6. መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ግልፂ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ኣብ ዝፈፀሙ ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡
  7. ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላም ንኽዛዘም ምግባር ብዝለዓለ ድልየት እንቕበሎን እንድግፎን ኮይኑ ነቲ ዝፀንሐ ጎንፂ ንምፍታሕ ዘለቒ ሰላም ብዘረጋግፅ፣ ግልፅነት ብዘለዎን ህዝቢ ብዘሳተፈን መንገዲ ንኽፍፀም ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ፃዉዒት የቕርብ።
  8. ኣብ መወዳእታ ሐዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ብቕልጡፍ ፈቲሕና ኣንፃር ድኽነትን ድሕረትን ዝጀመርናዮ ቃልሲ ብምሕያል ዘተኣማመን ሰላም፣ ውሕስና ዘለዎ ዴሞክራሲን ዘላቒ ልምዓትን ብምርግጋፅ ኣብ ድሌት፣ ማዕርነትን ምክእኣልን ህዝብታት ዝተመስረተት ሃገር ናይ ምፍጣር ራኢና ንምዕዋት ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓቢሮም ንኽረባረቡ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ፡፡

 

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

 29 ሰነ 2010 ዓ/ም

መቐለ

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons