ኣቦ መንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ልምዓት፣ ሰላም፣ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋልፅ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ናብ ጭቡጥ ተግባር ክኣቱ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣመራርሓ ክሳብ ሐዚ ኣብዝተኻየዱ ተደጋገምቲ መድረኻት ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ዝፈጠረሎም ስለዝኾኑ ኣብዚ ተሪፉና ዘሎ ጊዜ ናይ ተግባር ሓድነት ብምፍጣር ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ክንረባረብ ይግባእ። ስለዝኾነ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ኩለን መደባትና ለውጢ ብምምዝጋብ ህዝብና ንኽሕሰሉ እምበር ብኣኼባን መድረኽን ዝጠፍእ ተወሳኺ ጊዜ ክህሉ የብሉን ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን። እዚ ድማ ምስ መስርሕ ተሓታትነት ተኣሳሲሩ ዝፍፀም እዩ።

ኣብ ስሩዓት መደባትና ብምርብራብ ርኡይ ለውጢ ንምርግጋፅ ከዓ ኩሉ ሰስርሑ እናሳለጠ ሓባራዊ ዕማም ካብ ምፍፃም ወፃኢ ብዘመተን ብኮሚቴን ክኸውን ከምዘይግባእ ኣስሚረምሉ።

ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ናይ ኣመራርሓ ኣንፈት ዘቐመጡ ካብ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብዘሎ መድረኽ ኦሬንቴሽን እዩ።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons