ኣብ ትግራይ ኣብ ገጠርን ከተማን ሓዊሱ ልዕሊ1.8 ሚልዮን መንእሰይ ከም ዘሎ መፅናዕትታት ይሕብሩ ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ልዕሊ 295ሽሕ ስራሕ ኣልቦ እዩ፡፡ መንእሰይ ኣብ ዘየድልዩ  ቦታታት ከይዉዕል መንግስቲ ብመናእሰይ ፓከጅ ኣቢሉ ናብ ዝተፈላለዩ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ክተኣሳሰሩ ብምግባር ዛጊድ ልዕሊ 100ሽሕ መናእሰይ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ከም እተገበረ ኣብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ም/ቢሮ ሓላፊት ወ/ሮ ኪሮስ ንጉስ ገሊፀን፡፡

ከም ሃገርን ክልልን ናይቲ መንእሰይ ቀንዲ ሕቶታት ካብ ዝኾኑ እቲ ሓደ ሕፅረት ቀረብ ፋይናንስ ኾይኑ እዙይ ንምፍታሕ ድማ ኣብ 2009 ዓ/ም ፈደራል መንግስቲ ንመናእሰይ ካብ ዝሰልዖ 10 ቢልዮን ተዘዋዋሪ ልቓሕ በጀት እቲ 527 ሚልዮን ብፅሒት ትግራይ ከም ዝኾነ ዝገለፃ ወ/ሮ ኪሮስ ክሳብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት 2010 ዓ/ም ብ1 ዙር 210 ሚልዮን ብር ን5060 መናእሰይ ልቓሕ ከም እተዉሃበ ሓቢረን፡፡ እቲ ዝተረፈ 317 ሚለዮን ብር ድማ ብ2 ዙር ብተኸታታሊ ከም ዝወሃቦም ዝሓበራ ወ/ሮ ኪሮስ እቶም መናእሰይ ድማ ካብ ወለዶምን ቤተሰቦምን 10 ሚኢታዊ  ቅደመ ዑቁሪት ዓቝሮም ክፀንሑ ኣተሓሳሲበን፡፡

 ቅድም ክብል ዝነበረ ድልየት መንእሰይ  ኣብ ስራሕ መንግስቲ ክትቑፀር እምበር ተወዲብካ ልቓሕ ኣዉፂእኻ ናብ ዝተፈላለዩ ዕድል ስራሕ ፍጠራ ንምዉፋር ድልየቱ ክንድቲ ዝድለ ከም ዘይነበረ ብምሕባር፤ ሕዚ ግና እቲ መንእሰይ ዓብይ ናይ ባህሪ ለዉጢ  ከም ዘምፅአን ናብዙይ ዓዉዲ ክዋፈር ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢረን፡፡በዙይ መሰረት ድማ ካብ ትካል ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ 25 ሚልዮን ብር መንግስቲ ንመንእሰይ ልቓሕ ክዉሰኽ ብምግባር ዛጊድ 235 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከም እተኸፋፈለ እተን ሓላፊት ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ሕፀረት ቀረብ መብራህቲ፤ መስርሕን መሸጥን ቦታታት ከምኡ ዉን ልቓሕ ንምዉፃእ ዘለዉ ከይዲ ኣሰራርሓታትን ምትእስሳር ዕዳጋን ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ዝምልከቶ ኣካል ብዉነ ተረዲኡ ክሰርሐሎም ከም ዝግባእ እተን ሓላፊት ኣተሓሳሲበን፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons