ኣብ ሞንጐ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ መቐለ ዩኒቨርስቲን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ስምምዕ ምጅማር ስራሕ ፕሮጀክት ትራንስፎርሜሽን ሃፍቲ እንስሳ ሎሚ 18 ሚያዝያ 2010 ዓ/ም ዕላዊ ኾይኑ፡፡

ኣብቲ “ዝተዋደደን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ምንቅስቓስ ንትራንስፎርሜሽን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሳለጠ ዋዕላ ተረኺቦም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስተር ምኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዶ/ር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፤ ኢትዮጵያ ካብ 55-60 ሚልየን ከፍትን ናብ ከባቢ 61 ሚልየን ጠለ በጊዕን ዝርከቡዋን ብሃፍቲ እንስሳ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይትን ዋላ እንተኾነት ኣብ ሰደድ ምህርቲ ሃፍቲ እንስሳ ግን ብኡ ልክዕ ክትስጉም ከምዘይከኣለት ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ዘሎ ምንቅስቓስ እዛ ሃገር ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ኣብ ኢድና ዘሎ እታወት ናብ ሃፍቲ ንቕይረሉ ኩነታት ባይታ ንምፍጣር ንኸባቢ ሓደ ዓመት ብመሪሕነት መቐለ ዩኒቨርስቲ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝመፁ ዝገለፁ ዶ/ር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ናይ ሎሚ ዋዕላ እውን እቶም ስራሕቲ ናብ ባይታ ንምውራድ ኣብ ትግራይ ስራሕ ንምጅማር ዝተዳለወ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ም/ር/ም ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብወገኖም፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ንምዝማንን ትርጉም ናብ ዘለዎ ምንቅስቓሰ ልምዓት ንምስግጋር ተዓፃፂፍና እንተዘይ ሰሪሕና በቲ ተታሒዙ ዘሎ ከይዲ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ክሳኻዕ ከምዘይከኣል ብምግላፅ፤ ኣብ ፍልጠት ዝተሞርከሰ ፅንዓት ብምክያድ፣ ኣብቲ ዘፈር ልምድን ፍልጠትን ዘለዎም ምሁራን ተጠቂምና ቅልጡፍ ለውጢ ክነምፅእ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

እቲ ብሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዩኒቨርስቲ መቐለን ተወሲዱ ዘሎ ኣብ ትራንስፎርሜሽን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ዘድሀበ ተበግሶ ምስ ድሌት እዚ ክልል ዝጠዓዓም መደብ ብምዃኑ ግዜ ከይወሰድካ ናብ ስራሕ ብምእታው ህዝቢ ይፅበዮ ዘሎ ውፅኢት ናይ ምርካብ ድሌት ንምምላእ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ስራሕ ክእቶ ከም ዝግባእ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቦም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons