ግልጋሎት መድሕን ሳልሳይ ወገን ኣብ ክልልና ብ2006ዓ.ም. ስርሑ ዝጀመረ ምዃኑ ዝተወከሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መድሕን ፈንድ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ኣይናለም ገብረየሱስ ዝዀነት ትኹን ብሞተር እትንቐሳቀስ ተሽከርካሪት መድሕን ሳልሳይ ወገን ክትኣትው ብሕጊ ከምትግደድ ብምጥቃስ እዚ መጠን ግልጋሎት ኣብ ክልልና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

መድሕን ሳልሳይ ወገን ማለት ዝዀነት ትኹን ተሽከርካሪት ንሳ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ኣብ እተብፀሖ ጕድኣት ካሕሳ ምሃብ ማለት ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣይናለም ኣብ መድሕን ሳልሳይ ወገን ኣብ ዝኣተወት ተሽከርካሪት ይኹን ኣብ ቤተሰብ ዝበፅሕ ጕድኣት ከምዘየጠቓልል ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ክልልና ዘለዋ ትካላት ጥዕና ብምትሕልላፍ ሕጊ ትራፊክ ሓደጋ ንዝበፅሖም ኣካላት ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ክህባ ብሕጊ ከምዝግደዳን ዝዀነ ይኹን ሰብ ሓደጋ ትራፊክ እንትበፅሖ ናብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ትካል ሕክምና ብምኻድ ክሳብ ብር 2000 ዝበፅሕ ብናፃ ሕክምና ክረክብ ከምዝኽእልን ኣይተ ኣይናለም ሓቢሮም፡፡ ይኹን’ምበር ተጠቀምቲ እዚ ግልጋሎት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዝዀኑን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ነዚ ግልጋሎት ዝሃባ ኣብያተ ክሕምና ክፍሊት ናይ ዝሃበኦ ግልጋሎት ካብ ቤት ፅሕፈት መድሕን ፈንድ ዝወስዳ ትካላት ጥዕና ኣዝዮን ውሑዳት ምዃነንን ንዝሃበኦ ግልጋሎት ዝምለሰለን ገንዘባዊ ክፍሊት ኣብ ምውሳድን ግቡእኻ ኣማሊእኻን ግቡእ መረዳእታ ሒዝኻ ቀሪብካ ክፍሊት ኣብ ምውሳድ ፀገማት ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ሐዚ ኣብ ክልልና ካብ እዋን ናብ እዋን በዝሐን እናወሰኸ ይኸይድ ምስዘሎ መጠን ተሽከርከርቲ ኣብ መድሕን ሳልሳይ ወገን ብምእታው ግልጋሎት ክረኽባ ዝግባእ በቲ ዝድለይ መጠን ከምዘይኰነን ውልቀ ሰባት፣ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣብያተ ዕዮ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ጊዜ እንተይወሰዱ ተሽከርከርቶም ከመዝግቡን ግልጋሎት መድሕን ሳልሳይ ወገን ክረኽቡን ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons