ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2010 ዓ.ም. ንዝወሃብ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዛጊድ ብደረጃ ክልል ከይዲ ምድላው ፈተና፣ ምልመላ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ፣ ምዝገባ ተፈተንቲ ተምሃሮን ካልኦት ምድላዋትን ከምዝተወገኑን ልዕሊ 324 ሽሕ ተምሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ከምዝወስዱን ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ወይዘሮ ኣለም ነጋ ገሊፀን፡፡

ንፈተና ካብ ዝቐርቡ 121,100 ተምሃሮ ሻምናይ ክፍሊ፣ 186,672 ተምሃሮ ዓስራይ ክፍሊ እንትዀኑ 16,859 ተምሃሮ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ከምዝዀኑ ብምሕባር ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2010 ንፈተና ዝተዳለዉ ቊፅሪ ተፈተንቲ ተምሃሮ ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ኣብ ሻምናይ ክፍልን ዓስራይ ክፍልን ወሰኽ እንትህልዎ ኣብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ግን ከምዝቐነሰ  ወይዘሮ ኣለም ኣዘኻኺረን ፡፡

ወይዘሮ  ኣለም፣ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2009 ዓ.ም ኣብ ዓስራይን ዓሰርተ ክልተን ኣብ ከይዲ ፈተና ፀገማት ከምዝነበሩን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንዝተፈፀሙ ፀገማት ብምልላይ ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ከምዚወሰደ ዘፍለጣ እንትዀን ካብኣቶም ዝተቐዳድሑ 37 ተምሃሮ ዓስራይን ዓሰርተ ክልተ ክፍልን ፈተነኦም ምሉእ ንምሉእ ከምዝተሰዘ፤ ኣብ እዋን ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ጥቡቕ ክትትል ዘይገበራ 36 ኣብያተ ትምህርቲ በብደረጅኡ ዝተፈላለየ ስጕምቲ ከምዝተወሰደለን፣ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ተፈቲኖም ልዑል ነጥቢ ዘምፁ ተምሃሮ ናብ ቀላሚኖ ከይወዳደሩ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ብኣግባቡ ዘይፈተኑ መምህራን ሱፐርቫይዘራት ድማ ክሳብ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዝተቐፅዑን ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2010 ዓ.ም. ከይፍትኑ ከምዝተኣገዱን ሎሚ ዘበን እውን ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ናይ ባዕሉ ፈተና ክሰርሕ፣ ፈተንቲ መምህራን ይኹኑ ሱፐርቫይዘራት ብኣግባቡ ክፍትኑ ግቡእ ክትትል ከምዝግበር ኣፍሊጠን፡፡

ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዝወሃበሉ ጊዜ ዓስራይ ክፍሊ ካብ ጕንበት 22 -24፣ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ካብ ጕንበት 27 -30 እንትኸውን ሻምናይ ክፍሊ ድማ ካብ ሰነ 5 -7 ከምዝዀነ ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ወይዘሮ ኣለም ነጋ ኣዘኻኺረን፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons