ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕድዳር ትግራይ ሎም ኣብ ሰመራ ምስ ፕሬዝደንት ሓጅ ኣወል ዓርባን መሳርሕቶምን ተራኺቡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝነበረ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስን ሓባራዊ ፀጥታ: ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅን ኣብ ዘኽእሉ ኣጀንዳታት ምይይጥ ከምዘካየደ ፕሬዝደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ገሊፆም።
ኣብ ሞንጎና ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ብሙሉእ ልቢ ክንሰርሕ’ውን ተረዳዲእና’ለና ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ርክብ ህዝብ ንህዝቢ ቀልጢፉ ክጅምር ፣ካብ ክልቲኡ ወገን ብግጭት ምኽንያት ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መንበሪኦም ክምለሱ፣ ዝተዓፀው መገዲታት ክምለሱ፣ ጠጠው ዝበሉ ምድግጋፋት ክጅመሩ፣ ብክልቲኡ ወገን ምርድዳእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሕቶ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውዳበታት ናብ ማኣዲ ሰላም ኣብ ዝምለሱሉ መገዲ’ውን ብሓባር ክንሰርሕ፣ ከምኡ’ውን ደረቕ ገበን ፈፂሞም ካብ ሓደ ክልል ናብቲ ካልእ ንምሕባእ ዝፍትኑ ተጠርጠርቲ ብሕጋዊ ኣግባብ ዝተኣናገዱሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ሓፈሻዊ ምርድዳእ በፂሕና’ለና ኢሎም።
ንኣፈፃፅማ እዚ ምርድዳእ በቢብርኩ ዘለው ናይ ስራሕ ሓለፍቲ በቢጊዚኡ እናተራኸቡ ንግብራውነቱ ክሰርሑ ተሰማሚዕና’ለና ክብሉ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።
 
22 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons