ኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳዶር ዳረን ዊች ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምዝታይ ናብ መቐለ ኣትዮም።
ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ኣየር ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሑ ክቡር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣቀባብላ ዝገበርሎም እንትኾን ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን ዳግመ ምፅንባርን ሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰፋሕቲ ክልላዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘተ ከካይዱ እዮም ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት።
22 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons