መድረኽ ኣፍልጦን ሽልማትን
ብኪነ ጥበብ ፣ስነ ፅሑፍን ልምዓታዊ ስራሕትን ኣብ ሕብረተሰብ ርኡይ ግደ ንዘበርከቱ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ሽልማትን ኣፍልጦን ተዋሂቡ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ከምዝሓበርዎ ንትግራይ ግደኦም ንዘበርከቱ ወገናትን ትካላትን ዝተውሃበ ሽልማትን ኣፍልጦን ግቡእን ክልመድ ዘለዎን እዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ መስቀል ናይ ተስፋ በዓል ስለዝኾነ ካብ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራሕ ይኹን ዝብል እዋኑ ዝሓለፎ ኣራኣእያ ወፂእና ኣብ ልዝብን ሓሳብን ዝኣምን ወለዶ ክፍጠር ክንሰርሕ አለና ክብሉ ገሊፆም።
ሰላም፣ሓድነትን ኢሂንሚሂን እንተሃልዩ ህዝቢ ትግራይ ንፀገማት ክጋልህ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ኣይተ መስፍን ኣማረ ፈላማይ መድረኽ ምእንተ ዓዶምን ህዝቦምን ግደኦም ዘበርከቱ ኣካላት ዓሊሙ ዝተውሃበ ሽልማት እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብ ታሪኽ ትግራይ ዘይሃስስ ግደ ንዘለዎም ወገናትን ትካላትን ዓሊሙ ዝተሰላሰለ መድረኽ ከምዝኾነን ንቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።
እቲ መርሃ ግብሪ ብምትሕብባር ፃማ ኢቨንትን ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ዝተሰላሰለ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ዝፀብፀበ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ እዩ።
 
15 መስከረም 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons