መግለፂ ቅዋም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 11 መስከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ ኣሎ።
ኣብዚ ምይይጥ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ህልዉ ኩነታት ዘለዉ ምዕባለታትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ኣመልኪቶም ዝርዝር መብርሂ ዘቕረቡ እንትኾን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣካላት ፀጥታ እውን ኣብ ፀጥታ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝተወስዱ መፍትሕታትን ብዝምልከት መብርሂ ክህቡ ተገይሩ እዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሙሉእ ስምምዕነት ዝስዕብ ቅዋም ወሲዱ ኣሎ።
 
1.ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ኩለ መዳይ ዳግመ ህንፀት ስራሕቲ ትግራይ ምስ ህዝቡ ኮይኑ በቢሴክተሩ መደባቱ ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ። ብፍላይ ድማ ሰላምን መገዲ ሰላምን ኣፅኒዑ ብምሓዝ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኸበ ሰላም ከይተዘረገ ክቕፅልን ህዝብና ነዚ ተጠቒሙ ስሩዕ ህይወትን ናብራን ክመርሕን ዝክኣሎ ኩሉ እናፈፀመ እዩ።
እንተኾነ ግን ኣብ ቀንዲ ዕማሙ ዝኾነ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክፍፀም ኣብ ምግባር፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስን ዝተወደበ ኣመራርሓ ከዕርፍ ብዘይምኽኣሉ ሕዚ እውን ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎ። ነዚ ኩነታት ኣብ ምልዋጥ ናይ ድርድር ዓቕምና ክብ ክብል ብዘኽእል ኣግባብ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ብምትእኽኻብ ዝተወደበን ዝተናበበን ስራሕቲ ንከሳልጥ ንፁር ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ።
2. ኣብ ትግራይና ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ከምዝኾነ ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ ነገር ፍፁም ዝተጋገየን ናይቲ ፀገም ተሳተፍቲ መነንትን ኣወዳድባን ዝስሓተን ከምዝኾነ ህዝብና ብንፁር ክርድኦ ኣለዎ። በዚ መሰረት እቲ ፀገም ኣብ ኣብ ዉሽጢ ውድብ ህወሓት ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነቱ ዝተፈጠረ ምክፍፋል እዩ። ናይዚ ፀገም ሳዕቤን ኣብ መሓውር መንግስቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ኣሉታዊ ግደ ከምዘሎ ኮይኑ ንግዝያዊ ምምሕዳር ከም መንግስትን ንመንግስታዊ ስራሕቱን ግን ፈፂሙ ዘይምልከትን ዘየካትትን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ከም ኣባላት እቲ ውድብ ኣብቲ ክፍፍል ከከም እምነቶምን ውግንነኦምን ኣብ ክልቲኡ ወገን ይሳተፉ ከምዘለዉ ግልፂ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ኣባላት ህወሓት ወፃኢ ካብ ሙሁራን፣ ኣካላት ፀጥታን ተቓውምቲ ውድባትን ከምዘለውን ኣብቲ ክፍፍል እውን ዝኾነ ይኹን ተሳትፎን ውግንናን ከምዘይብሎምን ክፍለጥ ኣለዎ።
ልዕሊ ኩሉ ግን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ኣካል ይኹን ግዚያዊ ምምሕዳር ከም መንግስቲ ናይዚ ክፍፍልን ንሱ ዘስዕቦ ዘሎ ፀገምን ኣካልን ተሳተፍቲን ከምዘይኮኑ ህዝብና ብዝግባእ ክፈልጠልና ንደሊ።ብምዃኑ ድማ ግዝያዊ መንግስቲ ውድባዊ ውግንና ይኹን ውድባዊ ምክፍፋል ብዘየገድስ ናይ ኩሉ መንግስቲ ኮይኑ እቲ ክፍፍል ኣብ ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘስዕቦ ዘሎ ፀገም ብዝሰኸነ መንፈስ ብሕግን ብስርዓትን እናኣለየ ንመላእ ህዝብና ዝተጠናኸረን ብሕጊ ዝተረጋገፀን መንግስታዊ ኣገልግሎት ከምዘቐፅልን መንግስታዊ ዕማማሙ ከምዝዋፅእን ክነረጋፅ ንፈቱ።
3. ካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕጊ ዝተደንገገን ብዕላዊ ኣግባብ ዝተቐመጠን መንግስታዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእን ዝተማለአ መንግስታዊ ቁመና ወኒኖም ተልእኾኦም ንምውጋንን ኣብ ኩሎም ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘድሊ ናይ ሓላፍነት ምደባታትን ምትዕርራያትን፣ ናይ ህዝቢ መድረኻትን ናይ ለውጢ ስራሕቲን ፕሮግራማትን ብዝተማለአ ትካላውነት ተመስሪቱ ኣግባነት ዘለዎ ምኽክርን ምርድዳእን እናገበረ ሕግን ስርዓትን ብዝሓለወ ኣግባብ ምክያድ ከምዝቕፅል ንገልፅ። እዚ ከይዲ መንግስታዊ መደብን ዕማምን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣብዚ መዳይ ዝህሉ ዝኾነ ይኹን ምትዕንቃፍ ብሕጊ መሰረት መልክዕ ንምትሓዝ ክስርሐሉ እዩ።
ካብዚ ወፃኢ መንግስታዊ መደባታት ንምልዓል፣ ሓደስቲ ምድባት ንምክያድ ወይ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ውሳነታት ንምፍራስ ይኹን ናይ መንግስቲ መሓውር ንምህዋኽን ንምሕምዛቕን ዝግበር ዝተወደበ ፈተነን ምንቅስቓስን ግን ተቐባልነት የብሉን። መንግስቲ ነዚ ዘይቕቡል ምንቅስቓስ ንምዕራይ ሕጋዊ መፍትሕታት ክወስድ እዩ።
4. ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ፀገማትን ፈተናታትን ተፃዊሮም ፀጥታ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ኣድማዒ ስራሕቲ ክብሪ ዝግብኦ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፀለመን ጠቐነን መንግስቲ ብሕጊ መሰረት ስርዓት እናትሓዞ ክኸይድ እዩ። ከም ኣካል ግዚያዊ ምምሓዳር በቢብርኩን በቢሴክተሩን ኣግባብነት ብዘለዎ ፅንዓትን ምክክርን እናተገብረሉ ብካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር እናተመርሑ ብሕግን ስርዓትን መሰረት ዝወሃቦም ተልእኾ ኣብ ምፍፃም ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ዘይሻራዊ መትከልን ቅዋምን ተኸቲሎም ዝሰርሑ ምዃኖም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የረጋግፅ።
ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
12 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons