ሽግ ተጠሚሩ ብርሃን ከም ዝህብ ንሕና እውን ኩለመዳያዊ ዓቕምና ብምውዳድ ሓበራዊ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ተባሂሉ።
 
ኣሰናዳኢት ኮሚቴ መስቀል ዓጋመ ሎሚ 06 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ቅድመ ምድላው ኣከባብራ በዓል መስቀል ዓጋመ ኣመልኪቱ ንጋዘጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ መጋቤ ሃዲስ በርሀ ተስፋ መስቀል፣ መስቀል ምልክት ፍቕሪ፣ ሰላምን ሓድነትን ብምዃኑ ከምቲ ሽግ ተጠሚሩ ብርሃን ዝህብ ንሕና እውን ኩለመዳያዊ ዓቕምና ብምውዳድ ሓበራዊ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ብብርኪ ክልል መስቀል ኣብ ዓጋመ ብዝብል መራሒ ሓሳብ እናተኸበረ ከምዝመፀ ብምዝኽኻር ፣ ሎሚ ዓመት እውን በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታቱ ሓልዩ ክበዓል እኹል ምድላው ከምዝተወገነ ገሊፆም።
መራሕቲ ትግራይ ንሰላምን ሓድነትን ቀዳምነት ብምሃብ ንረብሓ ትግራይ ክሰርሑ ከምዝግባእ ዘገንዘቡ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ፣ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ፈታውትን ተወለድትን ዓጋመ ኣካል እቲ በዓል ክኾኑ ፀዊዖም።
በዓል መስቀል ንምኽባር እኹል ምድላው ከምዝተገበረን ፅምብል መስቀል ብስፖርታዊ ፌስቲቫል ከምዝጀመረን ካብ ውሽጥን ደገን ዝመፁ በፃሕቲ ብወገን መንግስቲ ዘተኣማምን ሰላምን ድሕንነትን ከምዝረኽቡ ዝሓበሩ ድማ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰሎሞን ሓጎስ እዮም።
መስቀል ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ኣብታ ከተማ ብዝለዓለ ፅምብል ንምኽባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ እውን እቶም ከንቲባ ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ኣይተ መስፍን ኣማረ ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ካብ ዝተውሃብዎ ልኡኽ ብቀዳምነት ምዕቃብን ምልላይን ባህልን ትውፊትን ህዝቢ ዓጋመ ስለዝኾነ ናብ ረብሓ ንምቕያር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ፈተውትን ተወለድትን ዓጋመ ናብ ክብረ በዓል መስቀል እንትመፁ ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ውሕስናኦም ዘተኣማምን ንክኸውን ከም ዝስራሕ ኣረዲኦም።
ካብ ዝምልከቶ ኣካል ወፃኢ ክብረ በዓል መስቀል ከህስሱ ዝኽእሉ ዝውዝዑ ግጉያት ሓበሬታት ኣቓልቦ ብዘይምሃብ ኣብቲ ፅምብል ተሳተፍቲ ክኾኑ ፀዊዖም ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከም ፀብፃፀበልና።
06 መስከረም 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons