ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብሓባር ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣብ ህንፀት ሓደ ማሕበረሰብ ዘሎዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ብሙዃኑ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
 
እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ምስ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ አብ ዘሳልጥዎ ዘለው ዓመታዊ ዋዕላ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት እንትኾን ምክትል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብሓባር ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣብ ህንፀት ሓደ ማሕበረሰብ ዘሎዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ብሙዃኑ ኣበርቲዖም ክቕፅሉሉ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንክጥንክር ፣ መንግስቲ ዘይበፅሐሎም ልምዓታዊ ስራሕቲ ንምሽፋን እውን እዞም ኣካላት ዝለዓለን ዓብይ እጃምን ኣለዎም ዝበሉ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሕና እውን ስራሕትኹም ብዝግባእ ንክትሰርሑ ኣድላይ ደገፍ ክንገብር ኢና ይብሉ።
ካብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ዝተኣካከበ ዝኾነ ይኹን ሃፍቲ ካብ ግዕዝይና ነፃ ኮይኑ ኣብ ማዓልኡ ክውዕል ልዑል ክትትል የድሊ እውን ኢሎም ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ።
መንግስቲ ኣታዊ ዝረክብ ብልቓሕ፣ ሓገዝን ናይ ባዕሉ ኣታዊን እዩ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዶክተር ምሕረት በየነ ብግድኣን ዕላማ እዚ ዋዕላ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተሓባቢርካ እታ ዝተረኸበት ሃፍቲ ኣብ መዓልኣ ንምውዓልን ብሓባር ንምስራሕ ዝሕግዝ እዩ ኢለን።
ከም ትግራይ ኣብ ዓብይ ፀገም ኣለና ድራር ለይቲ እውን ዘይረክብ ሰብ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ ኩላትና ንተሓጋገዝ ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን ።
ኣድላይነት እዚ መድረኽ ፣ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ብዝግባእ ንምስትውዓል፣ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝርኣይ ዘሎ ዓይኒ መርፍኣ ዝጠፈኦ ኩነታት ኣሎ ዝበሉ ፈፃሚ ዳይሬክተር ACSOT ኣይተ ያሬድ ፣ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ብሓባርን ብዝተናበበን ምስራሕ እንተዘይክኢልና ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ብሰንኪ እቲ ኩናት ኩሎም መሰረተ ልምዓት ዓንዮምን ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ተፀባይ ህፁፅ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ብሓባር ተዋዲድና ብምስራሕ ካብዚ ፀገም ክነናገፎ ልዑል ፃዕሪ ይጠልብ ከምዝበሉ ድወት ፀብፂቡ ኣሎ።
04 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons