ታሪኽና ታሪኽ ወያነ!
ቀዳማይ ወያነ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ምዕራፋት ታሪኽ እቲ ሓደ እዩ። ቅድሚ 81 ዓመታት ወርሒ ጷጉሜን ተወሊዑ።
ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ኣለዎ።
ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ቀዳሞት ወለዲ ንክብሪ ዓዶምን ህዝቦምን ዝከፈልዎ መስዋእቲ ክዝከር ስለዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን።
ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ጅግንነትን ፅንዓት ዕላማን ወለድና ንምርኣይን ካባኡ ንምምሃርን ስለዝሕግዝ ጥራይ ኣይኮነን።
ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ንምውላዕ ቀዳማይ ወያነ ምክንያት ዝኮነ ዓምፃፃይ መስፍናዊ ስርዓት ንምትንታን ጥራይ ኣይኮነን።
ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ወለዶም ቅያን ሕላገትን ከይነፀፈ ከይተዓፅፈ ንስለምኻዱ መርኣያ ስለዝኾነ ጥራይ ኣይኮነን።
ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ንዚ ንምክልኻል ብግፍዓውያን መስፍናውያን ገዛእቲ ንዝበጽሐ እንኮላይ ብመ መግስቲ እንግሊዝ ዝተሓገዘ ጨፍጫፍ ነፈርቲን ብዝተከልከለ መርዝን ዝትገበረ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንምኹናን ጥራይ ኣይኮነን።
ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ መረርቲ 100 ናይ መርገጽን ዓፈናን፣ ብሄራዊ ጭቆናን ደርባዊ ህስያን ዓመታት ሓመድ ልሒሱ ንክወፅእ ንዝሓገዘ ንካልኣይ ወያነ ብዝገበሮ ውርሻዊ ግደ ጥራይ ኣይኮነን።
ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ከም ወያነ ህዝቢ፡ ኣብ ሰሌዳ ታሪክ ህዝብና ክዝከር ስለዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን።
ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ፡
ሰኣን ሕብረት ተጋሩን ግቡእ መሪሕነትን ምብርዓኑን ጅግንነት ወለዲ ቀዳማይ ወያነ ዋላ ንግዚኡ እውን እንተኮነ ምፍሻሉን፡ እሞ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሕብረትን ሓድንነትን ተጋሩ እትፍጠር ንእሽቶ ነቓዕ ከመይ ከም ህዝቢ ከምእትጎድኣናን ንምምሃር እውን እዩ !!!
ወየንቲ ቀዳማይ ወያነ መርኣያ ጅግንነትን ትግራዋይ መንፈስን እዮም !!
ክብሪ ንዐኦም !!
ካብ ማህደር ድምፂ ወያነ ትግራይ
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons