እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሎሚቕነ ኣብ ህሉው ኩነታት ትግራይ፣መፍትሒ ኣንፈታትን ግደ ሓይሊ ፀጥታን ዝብሉ እዋናውን ኣገዳስትን ኣጀንዳታት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም ኣለዉ።
ኣብ ገምጋም ህሉው ኩነታት ይኹን መፍትሒ ኣንፈታትን ድማ ሙሉእ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።ኩሉ መርኣይናን ተልእኾናን ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባርን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምቕዳምን እዩ።ብዝኾነ ይኹን መበገስን ምኽንያትን ህዝብና ሓድነቱን ሰላሙን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣብ ዝኾነ እዋን ከምዘይንቕበልን እዚ ከየጋጥም ኩለመዳይ ፃዕርን ቃልስን ከምዝግበርን ተወሲኑ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ ብትሕዝቱኡ ይኹን ዝነበረ ከይዲ ብምዝባዕ በቲ ይኹን በቲ ዝግበር ዘሎ ፀደፍደፍን ዘይተብሃለ ብምባል ህዝቢ ካብ ምድንጋርን ነቲ ፀገም ክጋደድ ካብ ምግባርን ዝዘለለ ጥቕሚ ስለዘይብሉ ደው ክብል ኣለዎ። ስለዝኾነ ብስሩዕ ንህዝብና ዕላዊ መብርሂ ክሳብ ንህብ ኩሉ ብትዕግስቲ ክፅበ ነተሓስስብ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን
01 ጳጉሜን 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons