ኩሉ ምንቕስቃስና ንህላወን ድሕነትን ትግራይ ብዝህልዎ ረብሓ ዝተሰነየ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ _ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
እቶሞ ፕረዚደንት ነዚ ዝበሉ ብህዝቢ ከተማ መኾኒን ከባቢኣን ኣብ ዝገበረሎም ኣቀባብላ እንትኾን ፣ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ንድሕሪት ከምዘይምለስ ከረጋግፀልኩም ይደሊ፤ ህዝቢ ራያ ሰላም ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ኣብ ዝተገበረ መኸተ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሐ ህዝቢ ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።
ህዝብና ሒዝና ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ሃፍትና ብኣግባቡ ንምጥቃም ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው ፣ህዝቢ መኾኒ ኣንፃር ተፈጥሮን ፀላእትን ዝምክት ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ከምዝኾነን ሓድነትና እንተጠናኺርና ብፍላይ ዋሕስ ህዝቡ ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ሒዝና ዘይንፈትሖን ዘይንሰግሮን ፀገም የለን ክብሉ ኣገንዚቦም።
ብድማር እዚ ህዝቢ እዙይ ሒዝና ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሰላም ህዝብና ተጠናኺሩ ክኸይድ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና ናብ ልምዓት ክኣቱ ክንገብር ኢና። ኣብ መንጎና ኣፈላላይ ኣብ ዝፈጥሩ ዘይኮነስ ሓደ ኣብ ዝገብሩና ጉዳያት ትኹረት ገይርና ድማ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ትግራይ ናብ ውሑስ ብርኪ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ምይይጣት ኣብ ቀፃሊ ከምዝካየዱ ሓቢሮም እዮም።
ህዝቢ መኾኒ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዘርኣዮ ደገፍ ዘመስገኑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም ፣ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ወራር ፅንተት መኪትና ኣብዚ በፂሕና ኣለና ድሕሪ ምባል እቲ ሎሚ ብህዝቢ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ንቐፃሊ በርቲዕና ንክንሰርሕ ዝገብር እዩ ኢሎም።
01 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons