ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይጨው ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ብተሳተፍቲ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን፦
* ኣብ ጉዳይ ትግራይ ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ ሓይልታት ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ኣደብ ምትሓዝን ዝሕቱል እዩ።
* ፍትሒ ኣብ ምንጋስን ምርግጋፅን ድኽመት ኣሎ።
*ኣብ ዝግበሩ ኩለ መዳይ ምንቅስቓሳት ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ክህልው ይግባእ።
* ከም ትግራይ ሐዚ ብፓርቲ ድያ ትምሓደር ዘላስ ወይስ ብመንግስቲ? ብመንግስቲ ተኾይኑ ንምንታይ ኣብ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅሳቓሳት ርኡይ ስጉምቲ ዘይወስድ?
*መንግስቲ መሓውሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብምዝርጋሕ ዝረኣዩ ዘለው ክፍተታት ከማልእ ይግባእ።
* ዞባ ደቡብ ብፍላይ ድማ ኩለ መዳይ ዕብየት ከተማ ማይጨው ከም ኻልኦት ዞባታት ኣብ ዕብየታ ንምንታይ ዘይስራሕ፣ ሃፍቲ ክፍፍል ብፍትሓዊ ኣይከፋፈልን ብድምር ዕብየታ ንምንታይ ንድሕሪት ይጉሰስ?
*ኣብ ቤት ዕዮታት ዘሎ ኔትዎርካዊ ምትእስሳር ክበታተኽ ኣለዎ። ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኣብያተ ዕዮ ኣብ ክንዲ ሕብረተሰብ ከገልግል ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎን ምቑፃር ብኔትዎርክን ዓሌትን “ብሕኸኸኒ ክሓከካ” ዝግበር ቑፃር ክቕረፍ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትኹረት ክገብረሉ ይግባእ።
* መንግስቲ ትግራይ መንግስቲ መንግስቲ ብምሽታት ውዑይ ምንቅስቓስ ክትገብር ይግባእ።
* ብድምር ትኹረት ዘይተገበረሎም ኩለ መዳይ ጉዳያት ትኹረት ይገበረሎም ዝብሉ እንትኾኑ ብፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ ምላሽ ይወሃቦም ኣሎ።
30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons