ንሕቶ ህዝቢ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ዝረጋገፅ ሰናይ ምምሕዳር ከምዘየለ ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ሎሚ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ምስ ነበርቲ ተራኺቦም ዝዝትዩ ዘለዉ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ህዝቢ ዘለው መሰረታዊ ፀገማት ምስ ህዝቢ ብምዝታይ ዘላቒ መፍትሒ ምቕማጥ ኣገዳሲ ምዃኑን ንሕቶ ህዝቢ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ዝረጋገፅ ሰናይ ምምሕዳር ከምዘየለ ድማ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ዕላማ እቲ መድረኽ ምስ ህዝቢ ሓሳባት ብምልውዋጥ ሕቶታትን ርኢቶታትን ህዝቢ ብምድማፅ ናብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚደንት፣ እቲ መድረኽ ዋላ እንተዘንግዐ ምስ ህዝቢ ቀሪብካ ኢሂን ሚሂን ኢልካ ፀገማት ብምፍታሕ ናብ ስራሕ ንምእታው መሰረታዊ ሕቶታትን ርኢቶታትን ህዝቢ ከም ዕዮ ገዛ ብምውሳድ ብቐድም ስዓቦም መፍትሒ ምቕማጥ ከምዘገድስ ኣብሪሆም።
ህዝቢ ምግልጋል ማእኸል ጌይርኻ ምስራሕ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው፣ ፖለቲካ ትግራይ ድማ ማእኸሉ ህዝቢ ክኸውን፣ናፅነት ኣብያተ ፍርድን ትካላት ሚድያን ክሕሎን ማእኸሎም ፀገማት ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ክገብሩን ከምዝስራሕን ኣብ ኩሎም ስራሕትና ተሳትፎ ህዝቢ መሊእኻ ብምርግጋፅ ምስራሕ ቐፃሊ ዕማማት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ምስ ምምላስ ተመዛብልቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቖፅሉ ብምሕባር፣ዛጊድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተባብዑ እኳ እንተኾኑ ዕውታት ስራሕቲ ተሰሪሖም ንምባል ከምዘይከኣል ግልፂ ገይሮም። ብሓፈሻ ኣብ ተመዛበልትና ብፍላይ ድማ ኣብ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ምምላስ ልዑል ቆላሕታ ሂብካ ከም ዝስራሕ እውን ኣረዲኦም።
ጎና ጎኒ ምምላስ ተመዛበልቲ ተጀማሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብምሉእነት ንምርግጋፅን ብትኹረት ከምዝስራሕ ዘረድኡ ኣይተ ጌታቸው፣ እዙይ ንምርግጋፅ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ መድረኽ ኣብ ካልኦት ከባብታት እውን ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ህዝቢ ዘሳተፉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብዝግባእ ከምዝስርሑን ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ኩነታት ነዚ ዘዐውቱ ክኾኑ ምፅዓር ከምዘድልን ኣብሪሆም።
ነበርቲ ብወገኖም ፣መንግስቲ ሕቶታት ህዝቢ ንምድማፅን ኢሉ እውን ንምፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ እንተኾነ ብርክት ዝበሉ ጠለባት ብዝርዝር ብምቕራብ መፍትሒ ክግበረሎም ሓቢሮም።
ካብቶም ጠለባት ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳር ብዘላቕነትን ብቐረባን ንምፍታሕ ሕቶ ዞባ ክምለስ፣ ትካላት ጥዕና፣ዩኒቨርስቲ ዝበሉ ክህልዉ ፣መሰረተ ልምዓት ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት መንግስቲ ትኹረት ብምሃብ መፍትሒ ከቕምጠሎም ዝፀውዑ እቶም ተሳፍቲ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ዘሎ ኣሰራርሓታት ብውነ ብምፍታሽ ፀገማት ህዝቢ ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ብፕሬዚዳን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምላሽ ዝተውሃቡ እንትኾኑ ከከም ክብደትን ቅደም ሰዓብን እቶሞ ጠለባት እናተርኣየ ንምፍታሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝከኣሉ ኩሉ ከምዝገብር ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚዳን ጌታቸው ረዳ ፣ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ፣ ካብ ኩሉ ኣብ ከባብታት ተምቤን ዝርከባ ወረዳታት ዝመፁ ቑፅሩ ብርክት ዝበለ ሕብረተሰብ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መናእሰይን ምሁራትን ተረኺቦም።
 
23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons