ሰላም ትግራይ ንምውሓስን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ
ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀጥታ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ይህቡ ኣብ ዘለዉሉ ፣ሰላም ትግራይ ንምውሓስን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ይስራሕ ከዘሎን ኣብ ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ኣብ ሓፂን መፂን ዝተጀመረ ስጉምቲ ፣ኣብ ዘይሕጋዊ ወራር መሬት፣ዘይሕጋዊ ስግግር ሰባትን ካልኦትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ተጀሚሩ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ዘስዕቡ ዘለው ተግባራት ዝጠመተ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር ፣እቲ ከይዲ ጉዳይ ሕጊ እምበር ፖለቲካዊ ጉዳይ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከምዝግባእን ሕብረተሰብ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ሓጋዚ ክኸውን ጀነራል ታደሰ ወረደ ፀዊዖም።
 
15 ሓምለ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons