ካልኣይ ዙር ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ
ሎሚ ዕለት 11ሓምለ 2016 ብምኽንያት ወረርቲ ሓይልታት ን2 ዓመት ካብ ከተማ ኣላማጣን ራያ ኣላማጣን ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ማይጨው ተዓቑቦም ዝነበሩ 2260 ተመዛበልቲ ወገናት ብመሰረት ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ መረበቶም ይምለሱ ኣለዉ ።
እቶም ተመዛበልቲ ን2 ዓመታት ኣብ ከተማ ማይጨው እንትነሕልፍ ዋላኳ ካብቲ ምውቕ ገዛና ተፈሊና እንተነበርና ከም ሓደ ስድራ ፀገምኹም ፀገምና እዩ ኢሎም ከም ተመዛበልቲ ዘይኮነስ ከም ገዛና ንክነብር ዝሃቡና ፍቕርን ሓልዮትን ንህዝቢ ከተማ ማይጨው ፣ ምምሕዳር ከተማ ማይጨውን ኣብ ከተማ ማይጨው ዝርከባ ትካላትን የቐንየልና ክብሉ ኣብ ጎዳናታት እታ ከተማ ብምዝውዋር ምስጋንኦም ገሊፆም ።
ኣብ ቀፃሊ ብሳልሳይ ዙር ኣብ መቐለን ከባብኣን ዘለዉ ናይ ከተማ ኣላማጣን ራያኣላማጣን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ከይዲ ከም ዝሳለጥ ተፈልጡ ኣሎ ።
ትማሊ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ከተማ መኾኒ ተዓቑቦም ዝነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 14 ሽሕ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ብሰላም ምምላሶም ይዝከር ከም ዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ።
 
11 ሓምለ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons