ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።
ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ 8.7 ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከም ዘሎን ብዕቱብ ከምዝስራሕን ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ተፈጥሮን ምግቢ ውሕስናን ዞባ ማእኸል ሓቢሩ።
መተሓባበሪ ሃፍቲ ተፈጥሮን ምግቢ ውሕስናን ዞባ ማእኸል ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ነጋሽ፣ ሎሚ ዓመት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዞባ ማእኸል ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓን መድረግቲ ኣካላትን ኣብ ጉዳይ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
ተኽሊታት ይትከሉ እዮም፤ ግን ቀፃልነት ዘለዎ ክንክን ስለዘይግበረሎም ኣብ ምፅዳቕ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መፅናዕቲ ብምክያድ እኹል ማይን ደኹዕን ከም ዘድልዮምን ብምርድዳእ ኣብ 18 ወረዳታት 8 ሚልዮን 742 ሽሕን 600ን ከም ዝፈለሰ ገሊፆም።
ከም ዞባ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ኣብ ዝተዳለወሎም መፋስሳት ይትከሉ ነይሮም እዮም፤ ግና ኣብ ምፅዳቕን ምክንኻንን ዘሎ ኩነታት ኣተሓሳሳቢ ስለ ዝኾነ ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ምስቲ ዘጋጠመ ኩናት ፍልይ ኢሉ ኣብ ምብራስ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ተፅእኖ ብምስዓቡ ንምዝባዕ ነባሪ ኣየርን ንብዝሃ ሕይወት መሰረታዊ ፀገም ስለዝኾነ ካብዚ ብምውፃእ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን ሓረስቶትን ብምርድዳእ ኣብ ዞባና ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ንሎሚ ዓመት 2 ሚልዮንን 861 ሽሕን 120 ብጠሊ ዓቀብቲ፣ 890 ሽሕን 573 ጎዳጉዲ ድማ ብድኹዒ ተዳልዮም ክትከሉ ምድላዋት ከም ዝተወገኑ እቶም መተሓባበሪ ወሲኾም ሓቢሮም።
ከም ዞባ 26 ሰነ 2016 ኣም ኣብ ኩለን ወረዳታት ፈልሲ ክትከል ትልሚ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ሓልሓሊፉ ምቁርራፅ ዝናብን ኣብ ሕድሕድ ወረዳታት ኣቐዲምካ ዘይምድላውን እቲ ወፍሪ ተኸላ ናብ 1 ሓምለ 2016 ዓ/ም ከም ዝተሳገረን ከም ወረዳታት ዓዴትን ማይ ቅነጣልን ግና ቀዲመን ምድላው ስለ ዝገበራ እቲ ወፍሪ ቀዲመን ካብ ዘሳለጣ ምዃነን ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ገሊፆም።
ብሓፈሻ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኣብ ምፍላስን ምድግጋፍን ዕዙዝ ተራ ዝነበሮምን ሕዚ እውን ኣብ ምድጋፍ ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ክምስገኑ ከም ዝገብኦም ጠቒሶም። እቲ ወፍሪ ንምስላጥ ፀገማት መጓዓዝያን ነዳድን ከም ዘለዉን ነዚ ንምፍታሕ ወረዳታት እናሰርሓ ከም ዘለዋን ሓቢሮም።
ህዝቢ ዞባና እውን ነዚ ተሓሳቢ ጌሩ ብምልኣተ ህዝቢ ወፊሩ ኣብ ሓፂር እዋን ንከጠቓልል ፣ብፅሒት ክወስድን ብቐፃልነት እውን ‘ሂወት ሓንቲ ተኽሊ ከም ሓደ ውላድ’ ብምሕሳብ ልዑል ክንክን ክገብረሉን ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ወሲኾም ፀዊዖም ከም ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ማእኸል ትግራይ።27 ሰነ 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

59

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons