ተርእዮ ሕማም መገረም
 
ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እንባ ጣብያ ፀንቃኔት ሕማም መገረም ከምዝተርኣየ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ወረዳ ፃዕዳ እንባ ሲስተር ሂወት ካሕሳይ ከምዝበልኦ ፣ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እንባ ጣብያ ፀንቃኔት ኣብ 2 ሰባት ሕማም መገረም ብምግጣሙ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ገሊፀን።
ለበዳ እቲ ሕማም ከይጋፋሕን ኣብ ሕብረተሰብ ጉድኣት ከይበፅሕን በቲ ሕማም ተጠቒዖም ከይኾኑ ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ወገናት ድማ ክትትልን ምፅራይን እናተገበረ ከምዝርከብ ኣፍሊጠን።
 
ሕማም መገረም ካብ እንስሳ ዘቤት ናብ ደቂ ሰባት ዝመሓላለፍ ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ሕማም ስለዝኾነ ሕብረተሰብ እንስሳት ከኽትብን ጥንቃቐ ክገብርን ፀዊዐን ከም ሓበሬታ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ።
ቅድም ክብል ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ብሕማም መገረም ሂወት ሰባት ከምዝሓለፈ ፣ግቡእ ምርመራ ከይተኻየደ ሕርዲ ክፍፀም ከምዘይብሉን ምልክታት እቲ ሕማም እንትረአ ቀልጢፍካ ናብ ሕክምና ምኻድ ከምዘድልን ብሰብ ሞያ ጥዕና ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
 
23 ሰነ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons