ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዊልች ዘትዮም።
 
ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ዳረን ዊልች ከይዲ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ከምኡ እውን ጉዳይ ካብ ሰራዊት ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም ስሩዕ ሂወቶም ዝመርሑሉን፣ ጉዳይ ተመዛበልትን ካልኦት ሃገራዊ ፣ክልላውን ዞባውን ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝዘተይሎም ዛዕባታት እዮም።
 
ኣምባሳደር ዳረን ዊልች ትግራይ ናብ ንቡርን ዝሐሽ ብርክን ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፣ መንግስቶም ከምዝሕግዝ ገሊፆም ።
ተመዛበልቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘለዎ ንርዳእ ኢና ዝበሉ ኣምባሳደር ዳረን ዊልች ምስ ካብ ሰራዊት ዝምልሱ ነበር ኣባላት ሰራዊት እግሪ ንምትካልን ናብ ስሩዕ ናብራ ንክምለሱ ሓገዝና ክነጠናኽር ኢና ኢሎም ከም ድወት።
 
20 ሰነ 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons