ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየት!!
መበል 36 ዓመት 15 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ትግራይ “ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሓውዜንን ከተማ መቐለን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምኽባር ቅድመ ምድላዋት ከምዝተወገነ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ገሊፁ።
ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋደላይ ናስር መምሑር ፣ መዓልቲ ስውኣት ሕድሪ ስውኣትና ንምኽባር ፀላእትና ዘብፅሕዎ ሃሰያ ብዝግባእ ብምፍላጥ እቲ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ እንዝክረሉ በዓል እዩ ኢሎም ።

መስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣያታትናን ብዝግባእ ዓቂብና ዕላምኦም ንምዕዋት እንሰርሐሉ በዓል ከምዝኾነን ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረኸበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ሕድሪ ስውኣትና ብምዕቃብ ሰላማዊ ቃልስና ክነሐይል ይግባእ ክብሉ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
እቲ በዓል ብዝተፈላለየ መርሃ ግብርታት ኣብ ከተማ መቐለን ከተማ ሓውዜን ዝኽበር እንትኾን፣ ስነ ስርዓት ምውላዕ ጥዋፍ፣ ፓናል ምይይጥን ካልኦት ምድላዋትን ከምዝካየዱን ኩሎም ደቂ ትግራይ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ነዚ ክቡርን ረዚንን መስዋእቲ ዝተኸፈሎ በዓል ንሓደ ደቒቓ ዝኣክል ዝኽሪ ሕልና ክገብሩ ከምዘለዎ እቶም ምክትል ኮምሽነር ኣተሓሳሲቦም።
እቲ በዓል ንዝተፀገሙ ስድራ ስውኣት ንምሕጋዝ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ኮምሽነር ንተምሃሮ ሓዊሱ ስነስርዓት ምትካል ፈልሲ፣ ውድድር ሕቶን መልስን፣ ንስድራ ስውኣት ብማሕረስን ካልኦት ስራሕትን ኣብ ምሕጋዝ ኮታስ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ፀገም ንምውፃእ ሓድነትና እነበርኸሉ ኮይኑ ንክበዓል ኩሉ ከም ወትሮ አእጃሙ ክፃወት ፀዊዖም።
15 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ሃለዋቱ ኢሉ ክቡር መስዋእቲ ደቁ እናዘከረ፣ ቃሉ ብምሕዳስ ደቁ ዝወደቑሉ ዕላማ ህያው ንምግባር ዝተባብዑ ለውጥታት እናመዝገበ ዝመፀሉ በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ሎሚ ዓመት እውን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተሰንዩ እቲ በዓል ብድምቀት ከም ዝበዓልን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ከቢድ ሃሰያ ንምውፃእ ብርክት ዝበሉ ተግባራት ንምውጋን ከምዝስራሕ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

10 ሰነ 2016 ዓ/ም
መቐለ.

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons