ኣኽሱምን ሃወፅትን
 
ድሕሪ ዳግም ምጅማር ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም፣ ሃወፅቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ይመፁ ከም ዘለዉ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ገሊፁ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገረመድህን ፍፁምብርሃን ሎሚ ካብ ደቡብ ኮርያ ናብ ኣክሱም ዝመፁ ሃወፅቲ ኣመልኪቶም ከምዝገለፅዎ ኣብ ትግራይ ተነፃፃሪ ሰላምን ምርግጋእን ኣሎ ኢሎም እቶም ሃወፅቲ ከም ዝመፁ ሓቢሮም፤ ይኹንምበር ኣብ ኣኽሱም ዘሎ ፀጋታት፣ ቅርስታት፣ ሃይማኖታዊ ትውፊታት፣ ኣኽሱማውያን ዝነበሮም ስልጣነ ንዓለም ዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦን ምህዞታትን ስራሕቲ ውፅኢት ኢደ ጥበባትን ካልኦትን ኣብ ሓፂር ጊዜ ተዘዋዊርካ ምህዋፅ ኣይከኣልን።
ብምዃኑ ሃወፅቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝፀንሑሉ ምችዊ ኩነታት ብምፍጣር ካብኣቶም ዝርከብ እቶት ናብ ረብሓ ምልዋጥን ምስሊ ክልልና ብእወንታ ምህናፅን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።
 
ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ፀጋታት ከተማ ኣኽሱም ተዓዚቡ ይኹን ሃዊፁ ንምርዳእ ደጋጊሙ ናብዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ኣኽሱም ንክመፅእ እቶም ካብ ደቡብ ኮርያ ዝመፁ ሃወፅቲ ኣብ ኣክሱም ዝረኣዩዎ ንካልኦት ብምፅላው ኣምባሳደራት ኮይኖም ንክሰርሑ እቶም ሓላፊ ተላብዮም ከም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም።
መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም፣ 02 ሰነ 2016 ዓ.ም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ዝተረኸቡሉ ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ስነ ስርዓት ዳግም ምጅማር ኣገልግሎት ከም ዝተሳለጠ ይዝከር።
 
11 ሰነ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons