ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ምንቕናቕ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ “ምንቕናቅ ኢንዱስትሪ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ
 
ብምትሕብባር ሚኒስተር ኢንዱስትሪ፣ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ዝተዳለወ “ምንቕናቅ ኢንዱስትሪ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትግራይ ተፍሪ ንሕና ውን ንዓድግ ዝብል ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ምንቕናቕ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።
ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ ዝተዓዘብናዮም መፍረይቲ ትካላት፣ መሰረታዊ ተስፋታት ትግራይ ምዃኖም፣ ካብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ኢግዚቪሽን ብበዝሕን ፅሬት መፍረይነትን ዝለዓለ ለውጢ ዝረኣናሉ ዩ፣ መናእሰይና ዋላ ውን እቶም ኣብቲ ኲናት ኣካሎም ዝጎደሉ ዝለዓለ ፅሬትን ደረጃን ዘለውዎም ፍርያታት ሰሪሖም ምርኣይና ኣዚና ንሕበን፣ ንናይ ፅባሕ ትግራይ ድማ ዓብይ መሰረት እዩ ኢሎም።
ፀገማት መፍረይቲ ትካላት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝኸድናዮም ክያዶታት ኣጠናኺርና ክንቕፅለሎም ኢና፤ ብፍላይ ትካላት ፋይናንስ መፍረይትና ዝሓቱኹም ዘለው ሕቶታት ብኣንክሮ ንኽተዳምፁን ንኽትፈትሑሎምን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
 
ሚኒስቴር ዲኤታ ሚኒስተር ኢንዱስትሪን ኣይተ ሓሰን መሓመድ ከምዝበልዎ “ዕቤት ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅን ፀገማት መፍረይቲ ትካላት ንምፍታሕን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ዩ፣ እዚ መድረኽ ብዙሓት ፀገማት ኢንዱስትሪ ምፍታሕ ኣብ ዝጀመርናሉ እነካይዶ ምህላውና ድርብ ሓላፍነት ዝሓተና ስለዝኾነ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዝለዓለ ፃዕሪ ይሓትት፣ እዞም ሐዚ እንሪኦም ዘለና ትካላት ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑ፣ ንደገ ሰደድ ዝገብሩን ዝለዓለ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ብምዃኖም ፅቡቕ ጅማሮ ዩ፣ መንግስቲ ሴክተር ኢንዱስትሪ ንምዝማን ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣመሓይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ እውን ኣብሪሆም።
 
መፍረይቲ ትካላት ትግራይ መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንምዕባይ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ንምንቕቓሕ፣ ሰፊሕ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር፣ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻርን ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋርን ዝዓለመ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ ማዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ሃገር ለኸ ምንቕናቕ መፍረይቲ ትካላት ኢንዱስትሪ ትግራይ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ እዩ ክብል ኮሙኒኬተር ቢሮ ኢንዳስትሪ ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
 
03 ሰነ 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons