ትግራይ ዘድሐና መንእሰይ እዩ፣ ሕዚ’ውን ከልምዓ ዝኽእል መንእሰይ እዩ _ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ።
 
እዚ ዝተገለፀ ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ንተመለስቲ ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን ኣብ ስነ ልቦናዊ ሕዉየት፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ስራሕ ፈጠራን ኣመልኪቱ ንተኸታታሊ12 መዓልትታት ክህቦ ዝፀንሐ ስልጠና እንተጠቓልል እዩ።
ሓላፊ ካቤነ ሰክሬተርያት ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካልን ትግራይ ጀነራል ተክላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ከምዝበልዎ እቲ ዝተዉሃበ ስልጠና ዋላ’ኳ ሕፅር ዝበለ እንተኾነ ምልክት ሕዉየት ስለዝኾነ ትርጉሙ ዓብዩ እዩ። እቲ ዝሓለፍናዮን ዘለናሉ ኩነታት ከቢድ እዩ፣ ዘጋጠመና ወራር ይትረፍ ከምዚ ተኣኻኺብና ክንላዘብ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ዝዓለመ ከምዝነበረ ግልፂ እዩ ኢሎም።
 
ድሕሪ ኲናት ናብ ንቡር ንምምላስ ከቢድ ፃዕሪ ከምዝሓትት ተረዲእና ዉዳበታትናን ሓድነትናን ብምጥንኻር መስዋእትነት ዝኸፈልናሉ ዕላማ ንምዕዋት ሓበራዊ ቃልሲ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ጀነራል ተኽላይ፣ ዘለዉና ፀገማት ሰፋሕቲ እዮም፣ ብዝሰልጠነ ምርድዳእን ምድግጋፍን ዘይፍታሕ ፀገም ከምዘየለ ብተግባር ክነመስክር ይግባእ ኢሎም።
 
ኣብ ተመለስቲ ተጋደልትናን ስድራ ስዉኣትናን መፃንሒ ደ’ኣምበር ዘላቂ መፍትሒ ይስራሕ ከምዘየሎ ግልፂ እዩ ዝብሉ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) እታ ዘላ ኣፋፍኖት ሰላም ብምጥንኻር ብዘላቕነት እግሪ ንምትካልን ንምድጋፍን ከም ዝስራሕ ተዛሪቦም። ትግራይ ዘድሐና መንእሰይ እዩ፣ ሕዚ’ውን ከልምዓ ዝኽእል መንእሰይ ሰለዝኾነ ነዚ ዝምጥን ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከተማ መቐለ ኣይተ ነጋሽ ኣርኣያ ብግድኦም ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንተመለስቲ ተጋደልቲን ስድራ ስዉኣትን ብግዝያዉነት ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ዋላ’ኳ ዉሱን ጅማሮታት እንተሃለወ፣ ዕድል ልቃሕ ብምጥዕዓም፣ መሬት ብምድላው ብዘላቅነት እግሪ ኣብ ምትኻል ግና ሰፊሕ ክፍተት ከምዘሎ ገሊፆም። ብሰንኪ ዘለና ወድዓዊ ፀገማት ንክብሪ ተጋደላይና ዝምጥን ስራሕ እናተሰርሐ ኣይኾነን ዝበሉ ኣይተ ነጋሽ፣ ዘለና ሃፍተ ገነት ብምጥዕዓም ነዚ ዝምልስ ስራሕ ምስራሕ ግና ወሳኒ እዩ ኢሎም።
 
ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ተጋደላይ ብርሃነ ከበደ ብወገኖም እቲ ስልጠና ዘለና ፀገማት ብምብዳህ ኣብ ዓድኻ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ከም ዝከኣል ዘመላኽት ከም ዝኾነ ገሊፆም። ከምዚ ዓይነት ስልጠና ብተኸታታሊ ከም ዝወሃብ ብምግላፅ ፣ባህሊ ምድምማፅን ምትሕግጋዝን ብምጥንኻር ኣብ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግድኦም እቲ ስልጠና ንዘዳለዉ ኣካላት ብምምስጋን፣ መንግስቲ ተጋዳላይ ዘልዕሎም ግቡእ ሕቶታት ትኹረት ብምሃብ ስሉጥ ፍታሕ ክህብ ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ ስልጠና 320 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1082 ተመለስቲ ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን ንተኸታተልቲ 12 መዓልትታት ስልጠና ከም ዝወሰዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ፀብፂቡ።
 
02 ሰነ 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons