“… ኣያታትናን ኣዴታትናን ቅድሚ 30 ዓመት ብደምን ኣዕፅምትን ዝነደቕዎ ሓወልቲ ናፅነት…ኣረኪቦምና እዮም። ንሶም ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ትሕቲ ማንም ከይንወርድ፣ ኣብ እንግድዓ ማንም ከይንስቀል እውን ግቡእና ነጊሮምና እዮም። ኣባና ክበፅሕ ዘይንምነዩ፣ ኣብ ካሊእ ክበፅሕ ንፃት እውን ከይትምነዩ፣ እዚ ፅኑዕ መትከል ናይ ሎሚ ፣ናይ ፅባሕ፣ ናይ ዘልኣለም ቃል ኪዳንኩም ይኹን ብምባል ኣብዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓወልቲ ብእምነበረድ ፅሒፎም ገዲፎምልና እዮም።
… ሓዱሽ ፀሓይ ታሪኽ ብመስዋእትነት ኣያታትና ምስኣብረቕና፣ ብቓልሲ ብዘግሃድናዮም ፋና ናፅነት ሕልፊ ተረባሕቲ ክንከውን እንተይሓለምና፣ የግዳስ ሕልፊ ሸቂልና ነገራት ክነቃንዕ ዕፅፊ ተሰዊእና። ማዕርነትን ሓድነትን ኣቐዲምና፣ ብዙይን በቱይን ውልዕ ጥፍእ ንዝብላ ማስቃ ዘረባታትን እኩይ ተግባራትን ልቢ ኣዕቢና ተፃዊርና ነዊሕ ተጓዒዝና። እንተስ ልቢ ክነዕቢ ኢልና ፣እንተስ ክንቃለስ እናተገብኣና ሸለል ኢልናየን፣ እተን ማስቃ ዘረባታት፣ ዘረባታት ኮይነን ኣይተረፋን።
ኣብ መወደእታ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ እናተዋህለለ ዝመፅአ ማዕበል ጥፍኣት ኣብ ልዕሌና ወዲቑ። ተገሪህና ዶ? ተጋጊና ብዘየገድስ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝገጠመና መከራ ኣዚዩ ሕሱም እዩ።
ገጢሙና ዝነበረን ዘሎን ሕሰም ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከብ ካልእ ህዝቢ እንተዝገጥሞ ምተፃወሮ ዶ ኢልካ እንትዝሕተት ነብስኻ ዘዕገብ መልሲ ኣይምተረኸበን።
ብዝኾነ ንህልውና ዝገበርናዮ ቓልሲ ስለዝበርትዐ፣ ሳላ ክቡር መሰዋእትነት መላምል ደቅናን የሕዋትናን፣ተጋሩ ሕዚ እውን ንቐፃሊ እውን ኣብዛ ዓለም ሓደ ቦታ ሒዝና ክንነብር ኢና። እዙይ ሓደ ምዕራፍ ታሪኽና እዩ። “
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons