ዋዕላ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ
 
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ንምድላው መበገሲ ሓሳብ ንምእካብ ዘኽእል ዋዕላ የካየድ ኣሎ።
ሕውየት ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ንምርግጋፅ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ንምህናፅ ብፍላይ እቲ ዝፀንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ንብዙሕ ዓመታት እናተጠቀምናሉ ዝመፃና ብምዃኑ እቶም መፃሕፍቲ እውን ነባራት ስለዝኾኑ እዚ ዋዕላ ኣድላይ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ሓቢሮም።
 
ኣብ ዓለም ይኹን ኣብዛ ሃገርን ክልልናን ሓዱሽ ተለዋዋጢ ዓለማዊ ኩነታት ስለዘሎ ነዚ ኣብ 21 ክፍለዘመን ዘድልይ ፍልጠት ንምርካብ ኣብ ሕሉፍ ዝተገበረ ዘተ መበገሲ ብምግባር እዚ ምኽክር መድረኽ ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበራ 2472 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ዘይበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ የለዋን ዝበሉ ዶ/ር ኪሮስ ገሊአን ብሙሉእ ገሊአን ድማ ብኽፋል ዓንየን እየን። ሓይሊ ሰብ ጉድኣት በፂሕዎ፤ ስርዓተ ትምህርቲ እውን ተዛቢዑ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
 
ፈለማ ኣብ ሕውየት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ስርዓተ ትምህርትን ካልኦትን ከምዝስራሕ ዶ/ር ኪሮስ ገሊፆም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 ጉንበት 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons