ዘተ ኣመራርሓ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
 
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሓዞም ዕማማት ኣብ ምፍፃም ዘለው ውስንነታት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ህልውና ሓደጋ ከየእቱ ኩሉ ኣመራርሓ መንግስቲ ብዝለዓለ ትኹረት ክሰርሕ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዘገንዘቡ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘሎ ኣመራርሓ መንግስቲ፣ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ እዩ።
 
እቲ መድረኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሒዝዎም ዝተበገሰ መደባት ምኽባር ልኣላዊ ግዝኣት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምርግጋፅ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ኢሉውን ማሕበረ ቁጠባዊ ስራሕቲ ካልኦትን ፈትሽኻ ንዝረኣዩ ፀገማት መፍትሒ ንምቕማጥ ምዃኑ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣረዲኦም።
ኣብ ምፍፃም እዞም መደባት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዋላኳ እንተሃለው ህዝብና ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ዘውፅእ ኣይኮነን ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ኣብ ኣፈፃፅማ እዞም መደባት ዝነበሩና ፀገማት ብዝግባእ እንሪአሉ መድረኽ እዩ ኢሎም።
እዞም ምስ ፍትሕን ፀጥታን፣ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ተተሓሒዞም ዘለው ፀገማት ውልቀ ሰባት ናብ ገበርትን ሓደግትን ክሳብ ምዃን ዝረኣየሎም ዘሎ ብምዃኑን ነዞም ኣብ ምፍፃም መደባት ዝተርኣዩ ቁልፊ ፀገማት መፍትሒ እንተዘይተቐሚጡን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ህልውና ዘእቱ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ሓደጋ ብዝግባእ ተገንዚብና ኣብ ምፍትሖም ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
እዚ መድረኽ ኣብ ዘለው ድኽመት ኣፈፃፅማ ዝለዓለ ትኹረት ገይሩ ተሓታትነት ብዘረጋግፅ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብዘውሕስን ከምዝካየድ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣረዲኦም።
እቲ ሓበራዊ ዘተ ኣመራርሓ መንግስቲ ምስ ህልዊ ኩነታትን ቀፃሊ መደባትን ተተሓሒዞም ኣብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ምይይጥ ይገብር ኣሎ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።
 
15 ጉንበት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons