እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
 
ትማሊ ለይቲ (ናብ 13 ጉንበት 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውግሕ) ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ሓለዋ ከፍቲ እናሃለዉ ሸውዓተ ወገናትና ብግፍዒ ተጨፍጭፎም ኣለዉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሞት ንፁሃት ወገናት ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እንትገልፅ ንስድራ ግዳያት ድማ ፅንዓት ይሃብኩም ክብል ይፈቱ።
ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ ከባቢ ዓፋር ዝመፅኡ እንትኾኑ እንታይነቶም ብዝምልከት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብጥቡቕ እናተኸታተሎ ይርከብ። ገበነኛታት ንምልላይን ንምሓዝን ዝግበር ፃዕሪ እውን ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ምዕባለ ብእዋኑ ንህዝብና ዕላዊ ክንገብር ኢና።
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ፌዴራል ፖሊስን እውን ገበነኛታት ብምሓዝ ናብቲ ገበን ዝፈፀሙሉ ከባቢ መፂኦም ንክዳነዩ ክሰርሑን ሓላፍነቶም ክዋፅኡን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
 
ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ነቲ ኩነታት ንምእላይ ዝኸዱዎ ርሕቐት ዝንኣድ ኮይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገበነኛታት ንምሓዝ ዝገብሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
13 ጉንበት 2016ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons