ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፣ ኣመራርሓ ህወሓት ምስ ኣመራርሓ ፖርቲ ብልፅግና ፣ መሪሕነት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም ዘካየዶዎ ዘተ ሰላም ንምዕሟቕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም ።
 
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣመራርሓ ህወሓት ምስ ኣመራርሓ ፖርቲ ብልፅግና ዘካየድዎ ቐፃላይ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዘላቒ ሰላም ኣብ ዘረጋግፁ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ንሰላምን ንቕድሚት ኣብ ዘስጉሙ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ክልቲኦም ወገናት ብዕሙቈት ዘተ ምክያዶም ሓቢሮም ።
እቲ ዘተ ኣዝዩ ዕሙቀት ብዘለዎ ኣገባብ እዩ ተኻይዱ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ብቐንዱ ኣብ ህንፀት ሰላምን ነዚ ዕላማ ንምስፋሕን ድማ ብቐረባ ምስራሕ ኣድላይነትን ዘተኮረ እዩ ነይሩ ኢሎም ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢሎም ፕረዝደንት ጌታቸው መራሕነት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንቕድሚት ኣብ ዝስጉመሉ መንገዲ ፣ ዘጋጥሙ ኣብ ዘለው ዓበይቲ ብድሆታት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም ኢሎም ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዝፀንሑን ሕዚ ዘጋጥሙ ዘለው ብድሆታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ብዝብል ዕላማ ክሳብ ሕዚ ዝተራእየ ምዕባለታት ምግምጋም ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ ክብሉ ገሊፆም ከም ፀብፃብ ድወት።
 
7 ጉንበት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons