ዝዓነዋ ትካላት ማይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ፣ ዋን ዋሽ ፕሮግራምን ኮ-ዋሽ ፕሮጀክት ብምትሕግጋዝ ይሰርሑ ከምዘለው ተሓቢሩ።
 
እዙይ ዝተገለፀ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ፣ ዋን ዋሽ ፕሮግራምን ኮ-ዋሽ ፕሮጀክት ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ኣብ ዝገምገመሉ እዋን እዩ።
ኣብ ዋን ዋሽ ፕሮግራም ፊዚካልን ፋይናንሻልን ኣፈፃፅማ ዘቕረቡ ኣይተ ገ/ኪዳን ነጋ፣ እቲ ፕሮግራም ብባንኪ ዓለም፣ ብመንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዝምወል ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኣብ 14 ወረዳታትን 8 ከተማ ምምሕዳራትን ዝትግበር ምዃኑ ገሊፆም።
 
እቲ ፕሮግራም ብምኽንያት ኩናት ተቛሪፁ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ሓምለ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዋ ወረዳታት መሊሰን ኣብ ስራሕ ከምዝኣተወን መደባት ሓሙሽተ ዓመትኣብ ክልተ ዓመት ንምዝዛም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይተ ገ/ኪዳን ሓቢሮም።
መተሓባበሪ ኮ-ዋሽ ፕሮጀክት ኣይተ ደሳለኝ ኪሮስ ከም ዝበልዎ እቲ ፕሮጀክት ብሕብረተሰብ ዝምራሕ ኮይኑ ዝዓነዋ ትካላት ማይ፣ ዓቕሚ ምዕባይ ስራሕትን ዝተፈላለዩ ሓገዝ ናውቲ ተሳሊጡ።
 
ኣካቢ ኮሚቴ ቴክኒካል ዋንዋሽን ኮ-ዋሽን ኣይተ ታጠረ ሓዲስ ከምዝበልዎ ወረዳታት ሒሳብ ብእዋኑ ዘይምውርራድ፣ ብክልል መንግስቲ ዝምደብ በጀት ዘይምምዳብ፣ ካብ ፌዴራል ክለኣኽ ዝግብኦ በጀት ምዝንጋዕ፣ ኣብ ሓደሓደ ወረዳታት ጉድጓድ ኣይነኹዕትን ዝብሉ ዕንቅፋት እናፈጠሩ ከምዝኾኑን ስትሪንግ ኮሚቴ ክልል ሓጋዚ ክኽውን ፀዊዖም።
ሕብረተሰብ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ፀገማት ንምቅላል ክሳብ ካቢኔ እናቕረብና ኣጀንዳ ብምግባር መፍትሒ ንምምፃእ ክንሕግዝ ኢና ክብሉ ገሊፆም እዮም ክብል ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ማይን ኢነርጂን ፀብፂቡ።
 
05 ጉንበት 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons