ነዳድን በዓልን ምኽንያት ብምግባር ስርዓት ትራንስፖርት ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሳ ተሽከርከርቲ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ።
 
እዚ ዝተገለፀ ምልሕላሕ ቁፅፅር ዝወለዶ ዘጋጥም ዘሎ ምጉልእላእ ህዝቢ ኣመልኪቱ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ፣ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ፖሊስ ትራፊክን ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
 
ዝኣቱ ዘሎ መጠን ነዳዲ ብውስን መልክዑ ከምዝነከየ ዝገለፁ ኣብ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ንግዲ ውድድርን ሓለዋ መሰል ሸማቶን ኣይተ ካሳሁን ክንደያ፣ ይኹንእምበር ነቲ ኣብ ባይታ ዝረኣ ዘሎ ወሰኽ ገንዘብ ምኽንያት ክኾን ከምዘይኽእል ገሊፆም።
ምኽንያት ምንካይ መጠን ነዳዲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ ከሎ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም መጓዓዝያን ኣብ ዕደላ ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ካሳሁን ክንደያ፣ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ጎደናታት ዝሽየጥ ነዳዲ ደው ክብል ኣብ ምቁፅፃር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ብወገኖም፣ ድጎማ ወሲደን ብመሰረት ምውፋር ግልጋሎት ኣብ ልዕሊ ዘይህባ ተሽከርከርቲ ክትትል ከምዝገብርን ስጉምቲ ከምዝውሰድን ገሊፆም።
 
ኣብ ቁፅፅር ትሪፊክ ፖሊስ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብ ዝፈጠሮ ክፍተት ቁፅፅር ከምዘሎ ዝገለፁ ኣብ ኮሙሽን ፖሊስ ትራፊክ ትግራይ ሓላፊ ሓደጋ ምፅራይ ኮማንደር ጎይተኦም ኣብረሃ ፣ኣብ ልዕሊ ካብ ታሪፍ ወፃእ ዘኽፍሉን ትርፊ ዝፅዕኑን ተሽከርከርቲ ክትትል ከምዘካይድን ዝነበሩ ክፍተታት ከምዝፈትሕን ኣመላኺቶም።
ኣብ ስርዓት ትራንስፖርት ተመዝጊበን ግልጋሎት ምውፋር ይህባ ዘለዋ ተሽከርከርቲ ቀዳምነት ተዋሂብወን ነዳዲ ይመልኣ ከምዘለዋ ዝተገለፀ እንትኾን፣ ነዳዲ ተዘይረኺበን እውን ደው ክብላ እምበር ካብ ፀሊም ዕዳጋ ነዳዲ ገዚኤን ክንቀሳቐሳ ኣግባብ ከምዘይኮነ ተመላኺቱ ዝበለ ፀብፃብ ድወት እዩ።
 
21 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons