“ሕውየት ንኣዴታት ትግራይ” ብዝብል ሓሳብ ዋዕላ ተኻይዱ።
 
ሕውየት ኣብ ዝኾነ ጊዜ ተጀሚሩ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዝውዳእ ዘይኮነስ ኩሉ ጊዜ ክስረሐሉ ዝግባእ ስራሕ እዩ ክብል ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት ሎሚ 19 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ገሊፁ።
 
ኣካቢ ቦርድ ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት ትግራይ ከያኒ ዳኒኤል ነጋሽ ከምዝገለፆ ዝተዋረድናዮ፣ ዝተዓወትናሉ፣ ሓቦ ዝሰነቅናሉ፣ ቅንዕ ዝበልናሉ ኩሉ ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓሓዝ እዩ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትን ኣሕዋትን ዝተሓሓዝ በደል ኩሉ ንዐአን ብቀጥታ ክጎድአን ስለዝኽእል ሓሲቦም ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ዓሊሞም ዝተገበረ ስለዝነበረ ዕጥቅና እንፈትሕ፣ ዕጥቅና እነስጥም፣ እንሕርን እንምክት ብኣዴታትን ኣሓትን ስለዝኾነ ኣብ ሕውየት ትግራይ ምዕሳል ኣብ ሕውየት ደቂ ኣንስትዮ ምዕሳል እዩ ኢሉ።
 
ሕውየት ዝኾነ ጊዜ ተጀሚሩ ዝኾነ ጊዜ ዝውዳእ ዘይኮነስ ኩሉ ጊዜ ክስረሐሉ ዝግባእ ብምዃኑ ናይ ኩሎም ኣካላት ፃዕርን ቃልስን ዘድሊ እዩ ክብል ከያኒ ዳኒኤል ገሊፁ።
ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ፋሲካ ኣምደስላሴ ብወገኖም እቲ ሓሊፍናዮ ዝመፃና ዕንወትን ፅንተት ጥፍኣትን ንምሕዋይ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ከድሊ እዩ። ኩሉ ሰብ ድማ ክረባረብ ኣለዎ። ብኩለመዳይ ኢና ጠፊእና፣ ኩሉ ሰብ ምርብራብ ከድሊ እዩ። ትግራይ ካሊእ ሰብ መፅዩ ዘድሕነልና የለን። እቲ ዘጋጠመና ፀገም ንምድሓን መጀመሪያ ፀገምና ምፍላይ ከድልየና እዩ ከምንወፆ ድማ ተስፋ ክንገብር ኣለና። ተስፋ ክንቆርፅ የብልናን። ብድሕሪኡ ናብ መፍትሒ ክንከይድ ኣለና ኢሎም።
መጀመሪያ ኣብ ትግራይ ጉድኣት ዝበፅሐን ደቂ-ኣንስትዮ በዝሒ ምፍላይ የድሊ፤ ብድሕሪኡ እናተሓጋገዝና ናብ ስራሕ ክንኣቱ ከምዝግባእ እቶም ዶክተር ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ ብግደአን፣ ሕውየት ደቂ-ኣንስትዮ ከይተረጋገፀ ሕውየት ሕብረተሰብ ኣይረጋገፅን። ምኽንያቱ ደቂ-ኣንስትዮ ዓንዲ ሑቖ ስድራን ማሕበረሰብን ኢና ኢለን። እቲ ፀገም ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ኮይኑ ግና እቲ ፀገም ብሓድነት ተሓባቢርና ክንሰግሮ ኢና። ዘይፍታሕን ዘይስገርን ፀገም የለን ክብላ ገሊፀን።
ኣብቲ መድረኽ መራሕቲ ሃይማኖት፣ሰብ ሞያን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons