ምስ ጎረባብቲ ንምንባር ብሰላምን ስምምዕን እምበር ሓፁር ገይርካ ምንባር ኣይካኣልን_ ምክትል ፕሬዝዳንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ
 
ብምትሕብባር ጩራ ኣቡጊዳ ፣ዩኒቨርስቲ መቐለን ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይን ካልኦት መድረግትን ኣካላትን ካብ 14 ክሳብ 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ኣብ ካምፓስ ኣሪድ ዝሳለጠ ዋዕላ ህንፀት ሰላም መናእሰይ ኣመልኪቶም መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ምክትል ፕሬዚዳንት ትግራይን ካቢኔ ሴክሬታርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝበሉዎ፣ ምስ ጎረባብቲ ንምንባር ብሰላምን ስምምዕን እምበር ሓፁር ገይርካ ምንባር ኣይካኣልን።
ሕዚ ዘሎ ኹነታት እንትረእ ቅልውላውን ዝተዛበዐ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ፈታኒ ከምዝኾነ፣ነዚኦም ኩሎም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ ትርጉም ሰላም ረዚን ብምዃኑ ግደ መናእሰይ ልዑል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ጀነራል ታደሰ፣ ከይዲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምትግባር ብዙሕ ሕልኽላኽ ዋላ ተሃለዎ ሕዚውን ነቶም ዘጋጥሙ ሕልኽላኻት መንገዲ ሰላም ብምጥቃም ክንፈትሖም ይግባእ ኢሎም።
 
ሰላም ሕርያና ዝኸውን ረብሓ ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ዝኾነ ይኹን ተግባር ብሰላማዊ መንገድን ብምርድዳእን ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝሓትት ዘብርሁ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ዝፈጠሮ መስዋእቲ ፣መጉዳእቲ ፣ስደትን ስነ ኣእምሮኣዊ ሃሰያን ብዙሕ ዋላ እንተኾነ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክንገብር ክኢልና ኢና ምስበሉ፣ እቲ ስምምዕ ሰላም ሳላ መናእሰይ ከምዝመፀን እዚ ብመናእሰይ ዝመፀ ሰላም መናእሰይ ክሕብሕቡዎን ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ መንእሰይ ካብ ሰላም ከመይ ብቐፃልነት ተጠቃሚ ከምዝኸውን ንምትዕርራይ ዓብይ ስራሕ ከምዝሓትት ዝገለፁ ጀነራል ታደሰ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ማእኸል ምርምር ክኾና ዓሊመን ከም ዝሰርሓ ኩሉ፣ ኣብ ዙርያ ሰላም መናእሰይ ብምዕሳል ብቐፃልነት ክሰርሓ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ሓቢሮም።
ምክትል ፕሬዝዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር እያሱ ያዘው ብወገኖም፣ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድምፂ ጥይት ጠጠው ኢሉ ናብ ቐፃልነት ዘለዎ ልምዓት ንምእታው እኳ እንተነበረ፤ እቲ ውዕሊ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ብዘይ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ስቓይ ከምዝርከብ ብምሕባር ፣መፃኢት ትግራይ ናይ መናእሰይ ብምዃና ቐፀልቲ ወለዶታት ትግራይ ድምፂ ጥይት ዘይሰምዑላ ትግራይ ኣብ ምህናፅ ግደ መናእሰይ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆምን ዩኒቨርስቲ መቐለ ድማ ኣብ ህንፀት መናእሰይን ምዕሟቕ ሰላምን ብኹለ መዳይ ስራሕቲ ዝከኣሎ ኩለ ከምዝገብርን ኣረጋጊፆም።
ሰላም መሰረት ኩሉን ክባር ዋጋ እዩ፣ ብዘይ ሰላም ዝኾነ ይኹን ቁጠባዊ ዕብየት ሓንቲ ዓዲ ክረጋገፅ ኣይኽእልን ዝበሉ ድማ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሸ ስባጋድስ እንትኾኑ፣ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ብዝተፈጠረ ኩናት መናእሰይ ንብርክት ዝበሉ ፀገማት ከም ዝተቓልዑ ብምጥቃስ፣ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ መናእሰይ ትርጉም ሰላም ብዕሙቆት ብምርዳእን ብምትግባርን ክረባረቡ ይግባእ ኢሎም።
ኣስታት 500 መናእሰይ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ሰላም ዘድሀበ ስልጠና ካብ 14 ክሳብ 16 ሚያዝያ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ብውነ ብምስታፍ ነናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ኣብ ሰላም ዘይነዓቕ እጃም ከበርክቱ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ዋዕላ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ተወከልቲ ሕብረት ዩኔን ኣፍሪካን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
14 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons