ስምምዕ ፕሪቶርያ መሊኡ ብዘይ ምትግባሩ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ደቂ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ስምምዕ ፕሪቶርያ መሊኡ ብዘይ ምትግባሩ ኣብ ከቢድ ፀገምን መከራን ከምዝርከቡን ማሕበረሰብ ዓለም ብህፁፅ ክበፅሐሎምን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ፀዊዖም።
 
ብሰንኪ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኹናት ብርክት ዝበሉ ደቂ ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ዘምርሑ እንትኾኑ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተወሲኹዎ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ ኣብቲ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ገሊፆም።
ከም ፀብፃብ ድወት ሐዚ ድማ ዝብላዕን ዝስተን ስኢኖም፤ መፅለሊ ተሸጊሮም ከምዝርከቡን ብሰንኪ ጥምየትን ሕማምን ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለዘለዉ ማሕበረሰብ ዓለም ብህፁፅ ክበፅሐሎም ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም።
 
10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons