እዋናዊ መብርሂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ 08 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ናይቲ ኲናት መበገስን ሳዕቤንን ሕጋዊ ፣ፖለቲካውን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ኲናት ጠጠው ክብል ወይ እውን ኣማራፂ ሓይሊ ጠጠው ክብል ብምግባር ምችዊ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ስምምዕ ኩሉ ነገር ዝፈትሐ ኣይኮነን፤ ግና ምችው ባይታ ከምፅእ ዝኸኣላ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ ከም ኩሎም ስምምዓት፣ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን ናይ ክልቲኡ ተሰማማዒ ኣካል ድልየት ሚእቲ ሚእታዊ ዘማልእ ዋላ ኣይኹን ክንዲ ዝከኣል ክልቲኡ ክቕበሎ ዝኸኣለ ስምምዕ እዩ ኢሎም፡፡
ብኻሊእ ገፅ ኣብ መንጎ ሰዓርን ተስዓርን ዝተገበረ ስምምዕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተኻየደ ስምምዕ ኮይኑ ብወገንና እቲ ስምምዕ ሰላም ዘምፅእ እዩ ብምባል ሰላም ታክቲካዊ ዘይኮነስ ስትራተጂካዊ ሕርያና እዩ ኢልና ኢና እንሰርሐሉ ዘለና ኢሎም፡፡
ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም እንትገልፁ ድማ ኩሎም ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ ምግባር እንትኸውን እቲ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳን ዕጡቕን ክፈርስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ወረዳ ይኹን ኣብ ጣብያ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መፂኦም ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝፈርስን ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ፍትሒ ከም ዝፈርስ፣ ንባንዴራ ሓዊሱ ኣብ ሕድሕድ ቢሮን ከባብታትን ዘሎ ስማትን ዝተፈላለዩ ታፔላታትን ብምውራድ በቲ ንቡር ክቕፅል ምግባር እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡
ከምኡ እውን እቲ ከባቢ ብመንግስቲ ፌደራል ዝሕለው እንትኸውን ንፖሊስ ሓዊሱ ተፈጢሮም ዝፀንሑ ሓይልታት ፀጥታን ኬላታት ብምፍራስ ኣብቲ ከባቢ ዝህልው ኬላ፣ ኬላ መከላኸሊ ሰራዊት ክኸውን ዝብሉ ካብቶም ብቐጥታ ዝትግበሩ ምርድዳኣት ከምዝኾኑ ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡
ቀፃሊ ዝፍትሑ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ ጀነራል ታደሰ፣ እተን ስምምዕ ዝተበፅሓለን ይትግበራ ምህላወንን ዘይምህላወንን ዝከታተል፣ ዝቆፃፀርን ዘረጋግፅን ተልእኾ ዝተውሃቦ ኣካል ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም፡፡ እቲ ኣካል ቁፅሩ ውሑድ ዋላ እንተኾነ ግና ብክልቲኦም ኣካላት ሓበራዊ ስምምዕ ዝተበፅሖም ጉጅለታት ክህልዉ ኣለዎም ዝብል እውን ካብቶም ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሖም ምዃኖም ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ መወዳእታ ምችው ኩነታት ምስተፈጠረ ማለት እውን ተመዛበልቲ ተፈጥራዊ ክብሮም ሓዊሱ ኩሎም ነገራት ምስ ተማልኡሎምን ውሑስ ከባቢ ምህላዉ ብዝግባእ ምስተረጋፀን ንተመዛበልቲ ኣገደስቲ ደገፋት ብምግባር ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝግበር ዘገንዘቡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ምምሕዳር ብዝምልከት ድማ ንቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ጣብያን ወረዳን መረፃ ብምክያድ ግዝያዊ ምምሕዳርን ይህልው ዝብል ዛጊድ ዘሎ ምርድዳእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቶም ዝበዝሑ ምርድዳኣት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፣ ኣብ ኣፈላላያት ድማ ሰላማዊ፣ፖለቲካውን ሕጋውን ብዝኾነ ኣገባብ ንክፍትሑ ፅኑዕ መርገፂ ብምሓዝን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም፡፡
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
08 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons