ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ሕክምና ልቢ ጀሚሩ
 
ዓይደር ኮምፕረሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ሕክምና ልቢ( Cardiac Catheterization) ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
 
እቲ ሆስፒታል ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከም ዘመላኸቶ ግልጋሎት ሕክምና ልቢ( Cardiac Catheterization) ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ማሽን ኣብ ልቢ ዝተዓፀዉ ሰራውር ደም ዘለዎም ሕሙማት ንምሕጋዝ ዘኽእል ማሽን ምዃኑ ዝገለፀ ሆስፒታል ዓይደር፣ እዚ መሳርሒ ናብ ግልጋሎት ንኽበቅዕ ልዑል ሓገዝን ፃዕርን ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ምስግና ኣቕሪቡ።
 
26 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons