ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ግዱሳት ደቂ ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከቡ 200 ተመዛበልቲ ብር 600 ሽሕ ኣበርኪቶም፡፡
 
ነባርነቶም ኣብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑ ግዱሳት ደቂ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከቡ ወገናት ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝሃቡ ተገሊፁ፡፡
 
ብኣተሓባባራይነት ነባሪ ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑ ኣይተ መሓመድ ኑር ሑሴን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተኣከበ ገንዘብ ተረኪቦም ናብ ኢድ ተጠቀምቲ ዘብፅሑ ኣይተ ዑመር ኑርሑሴን መሓመድኑር ከምዝገለፅዎ ግዱሳት ተጋሩ ዝኣከብዎ ብር 600ሽሕ ተመዛቢሎም ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ መነባብሮ ንዝርከቡ 200 ወገናት ነንሕድሕዶም ብር 3 ሽሕ ከምዝተኸፋፈለ ኣረዲኦም፡፡
ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዘተሓባብሩ ኣይተ ብርሃነ ካሕሳይ ብዳያስፖራ ደቂ ትግራይ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር ንኢዶም፡፡
 
ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብትካል መግቢ ዓለም ከምዘይተሓቖፉን ዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ክገብረሎም ዝተላበዉ ኣይተ ብርሃነ ለገስቲ ኣካላት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ግዳይ ዓፀቦ እናኾኑ ንዝርከቡ ወገናት ምሕጋዝ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ ኢሎም፡፡
ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ንጥሜትን ሞትን እናተቓልዑ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብግደኦም እቶም ለገስቲ ኣካላት ንዘበርከትዎ ግደ ብምምስጋን ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ክናዲየሎም ፀዊዖም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ደገፍ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ወረቐት ከም ዝተበርከተሎም ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፀብፂቡ፡፡
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
24 መጋቢት 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons