ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይተሽራረፈ ክትግበር ይግባእ !!
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
 
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ሲጂቲኤን ኣብ ዝነበሮም ቃለ መጠይቕ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ቶኽሲ ደው ምባሉ ካብ ዘረጋገፆ እወንታዊ ተግባራት ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተፈረመ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሉኣላዊ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ፣ካብ መከላኸሊ ሃገር ወፃኢ ዘለው ዕጡቓት ኩሎም ክወፅኡ ይእዝዝ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ይኹን እምበር ሕዚ እውን ሰራዊት ኤርትራ ሓዊሱ፣ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ፣ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ክወፅኡ ኣይተገበረን ኢሎም ።
ብሙዃኑ ድማ እቲ ስምምዕ ምሉእነትን ሓቃውነትን ዝህልዎ ብመሰረት ኣብ ፕርቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ከይተሸራረፉ እንተተፈፂሙ እዩ ክብሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ንስቲጂኤን ኣብሪሆም።
 
ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከባቢና ኩናት ዳግም ክለዓል ኣይደልዩን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሰናይ ቐደሙ ኣፈላላያት ብቐዳምነት ብሰላም ፍታሕ ክረኽቡ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዝገብሩ ሰላም ቐዳምት ዝህብ ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ።
ሕዚ እውን ፈራሚ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝኾነ ውድብ ህወሓት፣ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብሓባር ኩሉም ኣፈላላያትን ፀገማትን ብሰላም ክፍትሑ እናሰርሑ እዮም ክብሉ ነቲ ሚድያ ከምዝገለፁ ድምፂ ወያነ ፀብፂቡ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 መጋቢት 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons