መድረኽ ምኽክር ምብራኽ ፕሮግራም ጥሙር ጥዕና ከተማ
 
ኣብ ዙሪያ ምብራኽ ፕሮግራም ጥሙር ጥዕና ከተማ ንምምሕያሽ ኣመልኪቱ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ መድረግቲ ኣካት ብምዃን ዘዳለዎ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ሓዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ከም ዝበልዎ፣ ከም ቢሮ ጥዕና ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ኢና እናሰራሕና ፀኒሕናን ዘለናን፡፡ ነዊሕ እዋን ተቛሪፆም ዝፀንሑ ግልጋሎት ጥዕና ነይሮምና እዮም፡፡ ብሰንኩ ድማ ብርክት ዝበሉ ለበዳ እናተፈጠሩ ስለዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ወፍርታት እናካየድና ፀኒሕና ኢና፤ ዘይነዓቁ ፀገማት ጥዕና ድማ ንምክልኻል ተኻኢሉ እዩ፡፡
እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ድማ ፕሮግራም ጥሙር ጥዕና ከተማ ንምብራኽ ዓሊሙ ዝካየድ ዘሎ እዩ፡፡ እዚ ፕሮግራም ንመጀመሪያ ምኳኑን ቅድሚ ኩናት ይሕሰብ ዋላ እንተነበረ ብዝግባእ ዝተጀማመረን ከም ጥሙር ጥዕና ገጠር ጠንኪሩ ዝከደን ስለዘይነበረ ሕዚ ብበርኪ ክልል ኣበርቲዕካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምኳኑ ብምሕባር ብብርኪ ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ስለዘለዉ ምስኡ ኣተኣሳሲርና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
 
ምስፍሕፍሕ ከተማታት ብርክት ዝበሉ ፀገማት ጥዕና ከም ዝፈጥሩን ኩነታት ቁጠባ እናተማሓየሸ እንትከይድ ድማ ካልኦት እቲ ዕብየት ኢኮኖሚ ዘስዕቦም ሕማማት ከም ዝፈጠሩን ዝገለፁ ዶክተር ኣማንኤል ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበላ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኣብ ከተማታት ብምህላወን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ካልኦት ፀገማትን ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ከም ሕማም ስነ ኣእምሮን ምስ ወልፍታት ተታሓሒዙ ኣብ መናእሰይ ዝረአ ፀገም ኣብ ከተማታትና ዝረኣዩ ፀገማት ብመኳኖም ፣ ነዚኦም ንምፍታሕ ትኩረት ገይርና ክንስርሖ ይግብኡና ኢሎም፡፡ ብምዃኑ ኣብተን ጥዕና ትካላት፣ ኣብቲ ሕብረተስብ ወሪድካ ብብብርኩ ዝስርሑ ስራሕቲ ምስራሕን ኣብ ካልኦት ክልላት ከመይ ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎን ብምርዳእ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ካብ ፌደራል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣይተ ኣክሎግ ጌትነት ብወገኖም ፕሮግራም ጥሙር ጥዕና ኣብ ከተማ ተግባራዊ ንምግባር ሕልኽላኽ ብምዃኑ ብሓደ ኣካል ዝትግበር ስለዘይኮነ ተሳትፎ መድረግቲ ኣካላት ከም ዘድልን እቲ ፀገም እናሰፈሐ ብምምፅኡ ብዙሓት ፀገማት እናተፈጠሩ ከም ዝመፁን እዙይ ንምፍታሕ ድማ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከም ዘለውን ሓቢሮም፡፡ ኣብ ትግራይ ድማ እዞም ስራሕቲ ንምጅማር ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ትልሚ ኣውፂኦም ከም ዝሰርሑ ኣብሪሆም።
ተሳተፍቲ ብግዲኦም እዚ ፕሮግራም ተግባራዊ ንምግባር ብዓቕሞም ንምስራሕ ድሉዋት ምዃኖም ብምግላፅ፤ እኩል ባጀት ዘይምህላው፣ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ፣ ዝዓነወ ኢኮኖሚ ትግራይ ናብ ንውር ኣብ ዘይተመለሰሉ ኮይንካ እዚ ፕሮግራም ምዕዋት፣ ኣወዳድባን ዝምልከትን ዝብሉ ስግኣታትን ከም ዘለዉ ዘልዐሉ እንትኾን ብዝምልከቶም ኣካላት ምላሽ ብምሃብ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ከንቲባታት፣ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons