ኣብ ዙርያ ኣወሃህባ ግልጋሎት ታክሲ ዘድሀበ ምኽክር መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ
 
ወሃብቲ ግልጋሎት ታክሲ ከተማ መቐለ ምስ ተጠቀምቲ ማሕበረሰብ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ዙርያ ኣወሃህባ ግልጋሎት ታክሲ ዘድሀበ ምኽክር መድረኽ ሎሚ 17 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
 
እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ኦሳድ ትግራይን ዩኤስ ኤይድ /ኢኤስፒ/ ዝሳለጠ ዘሎ ኣብ ከተማ መቐለ ኣውሃህባ ግልጋሎት ታክሲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ዝዓለመ ምዃኑን፣እቲ ዋዕላ ትካል ገባሪ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ዝኾነ ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥዕናን ልምዓትን ጨንፈር ትግራይ /ኦሳድ/ ካብ ዩኤስኤይድ/ኢኤስፒ (USID/ESP)ብምትሕብባር ዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ይካየድ ከምዘሎ እዩ ተገሊፁ።
 
እቲ ትካል ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ግልጋሎት፣ ጥዕናን ዕብየትን ብትኹረት ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ ትካል እንትኾን፣ ሕዚ ድማ ካብቶም ኣብ ዕብየትን ልምዓትን ክሰርሖም ዝሓዞም ስራሕቲ ሓፂር ትልሚ ዘሎ ፀገምን ክፍተታትን ግልጋሎት ታክስን ትራንስፖርትን ንምፍታሕን ተዋዲድኻ ንምስራሕን ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
17 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons