መግለፂ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
 
ክልል ኣምሓራ መሬት ትግራይ ኣብ ካርትኡ ኣስፊሩን ኣካል ስርዓተ ትምህርቱ ገይሩን እናምሃረሉ ከምዘሎን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረዲኡ ኣሎ።
እዚ ክልል መሬት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ስርዓተ ትምህርቱ ዘስፈሮ ካርታ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ቆራሪስካ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ደዉ ንከይብል ብዝኸፍአ መልክዑ ይሰርሓሉ ምህላዉ ዘረጋግፅ ምዃኑ እውን ተገንዚብና ኣለና።
 
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናፈፀሞ ዝመፅአን ሕዚ ብሓይሊ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕን መንከራን ከይኣክልን ብዝፈፀሞም ጥፍኣታት ኣብ ክንዲ ዝጥዓስን ናብ ከምዚ ዝበለ ታሪካዊ ስሕተት ምእታዉ ብቐፃልነት ዋጋ ከምዘኽፍሎ ፈሊጡ ብህፁፅ ክእርሞ ኣለዎ።
መንግስቲ ፌዴራል እውን ቅድሚ ሕዚ ብትካላት ፌዴራል ሎሚ ድማ ብክልል ኣምሓራ ዝዳለዉ ዘለዉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ካርታታት ክእርሞምን ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ፈፀምቲ ኣካላትን ትካላትን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን እናተገብአ ርእዩ ከምዘይርኣየ ምሕላፉ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ክኸውን።
ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ ብርኪ ብምፍፃም ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ብልዑል ሓላፍነት ኣብ ንሰርሓሉ እዋን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከምዚ ዓይነት ነገር ምፅሕታር ነቲ መስርሕ ሰላም ንምህዋኽ ኮነ ኢሉ ዝፍፀሞ ጥፍኣት ምዃኑ እውን ክስመረሉ ይግባእ።
ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናተፈፀመ ዝመፅአን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎን ግፍዕን በደልን ደው ይበል ኢሉ ኣብ ጎኒ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ጠጠው ንክብሉ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ስዒቡ ናይ ዝመፅእ ነገር ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ባዕሉ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ።
 
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
16 መጋቢት 2016ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons