ፕሮጀክት ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ዳግመ ህንፀት ኣድሂቡ ገፅ ንገፅ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።
ፕሮጀክት ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒን ራያ ዓዘቦን መጠቓለሊ ፕሮግራም ገፅ ንገፅ ምይይጥ ንሓባራዊ ዳግመ ህንፀት ኣድሂቡ ዘተ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር ሕብረት ማሕበራት ሲቪክ ማሕበረሰብ ኣይተ ያሬድ በርሀ ከም ዝበልዎ፣ ማሕበራዊ ተሓታትነት ንምዕባይ መሰልን ተጠቃምነት ዜጋታትን ካብ ኣርባዕተ ለገስቲ ኣካላት ብባንኪ ዓለም ተማእኺሉ ዝውዕል ፕሮግራም ኮይኑ ማዕረ ግልጋሎት ንኩለ መዳያዊ ስግግር ዕላዊ ዝገበረ ፕሮጀክት እዩ ብምባል ማሕበራዊ ተሓታትነት ማሕበረሰብ ኣብ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ዝፀልዉ ዝኾነ ይኹን ስራሕቲ ነቲ በዓል ዋና ዝኾነ ሕብረተሰብ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ኣሳታፋይ ዝገብር ከይዲ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
 
ብተወሳኺ እዚ ፕሮጀክት ማሕበራዊ ተሓታትነት ብቐፃልነት መን ይምረሓዮ ኣብ ዝብል ዘተ ዝተኻየደ ኾይኑ ብዋናነት ቤት ምኽሪ ክመርሖ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ፕሮጀክት ሓታታይ ሕብረተሰብ ምፍጣርን መንፈስ ተገልጋይነት ክዓቢ ብምስራሕ እቲ ፕሮጀክት ክቕፀለሉ ይግባእ ዝብሉን ዝተፈላለዩ ኣብ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ዘለዉ ፀገማት ዝተልዓሉ ኮይኖም ኣብቶም ፀገማት መሰረት ተገይሩ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ተሳተፍቲ ገሊፆም።
ኣብ ገፅ ንገፅ ምይይጥ ዝተመረፁ መሰረታዊ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ምስ ዝምልከቶ ሴክተር ብምትሕሓዝን መልሲ ብምሃብን ለውጢ ዘምፅእ ስራሕ ክስራሕ ከም ዝግባእ አብ ሓባራዊ ስምምዕነት ተበፂሑ።
 
ኣብ መወዳእታ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ንክልቲአን ወረዳ ምምሕዳር ሓገዝ ናውቲ ኤለክትሮኒክስ ብውህብቶ መልክዕ ከምዝተበርከተ ዝፀብፀበ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ እንዳ መኾኒ እዩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
16 መጋቢት 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons