ዘተ ኣብ ኣጠቓቕማ ምዕሩይ ቋንቋታት ትግራይ
 
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ቋንቋታት ትግራይ ኣድሂቡ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክሳብ ዘይተፈፀመ ፥ ቋንቋታት ትግራይ ንሓደጋ ብርሰት ተቓላዓይ ከም ዝኸውን ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ|ር) ኣተሓሳሲቦም።
ብመሰረት ቤት ምኽሪ ትግራይ ደንቢ 86/2007 ዓ.ም ፣ ዓንቀፅ 2 ፦ ስያመ ትካላት ንግዲ ፈለማ በቲ ብሄረሰባዊ ቋንቋ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዘግድድ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ|ር) ኣረዲኦም።
ቋንቋታት ትግራይ ብኻልኦት ቋንቋታት ፅዕንቶ ይግበረሎም ኣሎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ከም ሳዕቤኑ እውን መንግስዊ ኣብያተ ዕዮ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ዘይምዕሩይ ኣፀሓሕፋ ቋንቋ ካብ ምጥቃም ክእረሙ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም ፀብፃብ ኤመሓት።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons