ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ገምጋም፣ ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ተወሳኺ ስጉምትታት ምውሳድ የድሊ_ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካይዶ ስትራተጂካዊ ገምጋም ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ
 
ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግበራኡ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ገምጋም ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ከምዝሳተፉ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ካብ ሎሚ 28 ለካቲት ክሳብ 4 መጋቢት 2016 ዓ/ም ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ገምጋም ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ተወሳኺ ስጉምትታት ምውሳድ የድሊ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝወፀ ሓበሬታ ተመላኺቱ ኣሎ።
 
ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ዘይምትግባሩ መሰረታዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኾይኑ ይቕፅል ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ሓቢሩ እዩ ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ክዓስል እንተኾይኑ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ግድን ዝብል ምኻኑ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፣ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዝተኸተመ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ፣ክይዲ ትግባረ ብዝምልከት ስትራተጂካዊ ገምጋም የካይድ ምህላው ኣብ ገፅ ትዊተር ምሕባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ክዓስል እንተኾይኑ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ግድን ከምዝኾነን ሕጋውን ሕገ መንግስታዊ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ንምምላስ ዓሊሙ ብዕቱብ ምግምጋም ከምዘድሊ እውን ወሲኾም ሓቢሮም እዮም።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ እንትህቡ፣ ሕዚ ተፈጢሩ ንዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ብዘይዘርግ መንገዲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር መርገፂ ሒዙ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም እዮም።
 
ውዕል ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክፈፀም፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣታት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፁ፣ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክረጋገፅ፣ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ከም ዝደፍኣሉ እውን ገሊፆም እዮም።
ብተወሳኺ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ክግበር ዝፀንሐ ክልቲኣዊ ርክባት መላዘብቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ትግበራ ውዕሊ ስላም ፕሪቶርያ ከምዝግምገም ገሊፆም ኔሮም።
ማይክ ሃመር ንክልተ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ለንደንን ሮማን ብምኻድ ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ከምዝሳተፍ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
28 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons