ትካል ሓባሲ ንብዓት ፌደራልን ትካል ሓባሲ ንብዓት ጨንፈር ትግራይን ካብ መድረጊ ኣካል ብዝረኸብዎ ደገፍ፣ ኣብ ኣተገባብራ ሕጊ ናፅነት ሓበሬታ ምስ ሓለፍትን ሰብ ሞያን ኮሙዩኒኬሽን ኣብ ከተማ ኣክሱም መድረኽ ምኽክር የካይዱ ኣለዉ።
 
ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ሓድሽ ካሕሱ ነቲ መድረኽ ብዕሊ እንትኸፍቱ ከምዝበሉዎ፣ እዚ መድረኽ ምኽክር ምድላዉ ፅቡቅ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ዘሎ። ብሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ፀገማት እናተሃሰየ እዩ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ውዙፍ መሃያ 17 ኣዋርሕ ከምኡ እውን ጡረተኛታት ውዙፍ ኣበል ጡረታ 18 ኣዋርሕ ከይወሰዱ ኣብ ክፍእ ዝበለ ናብራ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።
ብምዃኑ ትካል ሓባሲ ንብዓት ፌደራል ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ፀገማት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልኦት ወገናት ዘለዉ ፀገማት ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ብዝግባእ ንምፍታሕ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
 
ኣብ ትካል ሓባሲ ንብዓት ጨንፈር ትግራይ ክኢላ ናፅነት ሓበሬታ ኣይተ ዘርኡ ገብረመስቀል ብወገኖም፣ እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዳህሳስ ከምዘካየደ ብምሕባር፣ ምሕላው መሰል ሓበሬታ ዜጋታት ፀገም ከምዘለዎ ካብቲ ዳህሳስ ንምርዳእ ክኢልና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ብፍላይ በቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወቶ መረዳእታታት ከምዝጠፍኡ እኳ ጭቡጥ እንተኾነ፣ እቲ ሓበሬታ እናሃለወ እውን ግና ተቓፂሉ እናበልካ ሓበሬታ ክትህብ ናይ ዘይምድላይ ዝንባለ ከምዘሎ ኣብሪሆም እዮም። እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣብዚ መድረኽ ዘለኹም ሓለፍትን ሰብ ሞያን ኮሙዩኒኬሽን ዝለዓለ ሓላፍነት ስለዘለኩም ኣብ ምርግጋፅ መሰል ሓበሬታ እጃምኩም ክትዋፅኡ እላቦ ኢሎም።
 
ኣብ ፌደራል ትካል ሓባሲ ንብዓት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናፅነት ሓበሬታ ኣይተ ማናየ ኣለሙ ብግደኦም፣ እቶም ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ቀሪቦም ዘለዉ ፀገማት ብእርይ ቁፅር ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምቅራብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ፍታሕ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር እውን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።
ይኹን እምበር ህዝቢ ሓበሬታ ብናፅነት ክረክብ መሰል ስለዘለዎ ክኽልከል ዘይኮነስ መሰሉ ክሕሎ ኣብ ምግባር ፀገማት ከምዘለዉ ምስ ትካል ሓባሲ ንብዓት ጨንፈር ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከምዝተረድኡ ብምሕባር፣ ኣብዚ መድረኽ ምኽክር ዝተረኸብኩም ሓለፍትን ሰብ ሞያን ኮሙዩኒኬሽን ዝለዓለ ሓላፍነት ስለዘለኩም ኣብ ውፅኢታውነት ኣዋጅ ናፅነት ሓበሬታ ግቡእኩም ክትዋፅኡ እላቦ ክብሉ ሓቢሮም።
ዜጋታት ኣብ ልምዓት ንጡፋት ተሳተፍቲ ክኾኑ እንተደኣ ኮይኖም፣ ሓበሬታ ክኽልከሉ ከምዘይብሎምን ብመሰረቱ ሓበሬታ ጉዳይ መሰል ዴሞክራሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰል እውን እዩ ዝበሉ ድማ መመያየጢ ፅሑፍ እቲ መድረኽ ምኽክር ዘቅረቡ ሓላፊ ዴስክ ናፅነት ሓበሬታ ኣይተ ወሰንሰገድ በርሀ እዮም።
ሓበሬታ ዝወሃብን ዘይወሃብን ተባሂሉ ኣብ ኣዋጅ ናፅነት ሓበሬታ ተነፂሩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ወሰንሰገድ፣ እቲ ክወሃብ ዝግበኦ ሓበሬታ ግና ብቅልጡፍ፣ብዝተሓተ ወፃኢ ኢሉ እውን ወፃኢ ብዘይሓትት ንሕብረተሰብ ክወሃብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
21 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons