ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣድሂቡ ዘተዩ
 
ትማሊ 20 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣማስዩ ዝተኣከበ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ ኣሎ።
ክሳዕ ሕዚ ዝተርኣዩ ምዕባለታት ብምዕቃብ ውሑስ ሰላም ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ምስራሕ ቀዳማይ ሕሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምዃኑ ዘስመረ እቲ ካቢኔ ብቐፃልነት እውን ንመስርሕ ሰላማዊ ቃልሲ ሰረት ገይሩ ብሙሉእ ዓቕሙ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
ውሑስን ዘላቕን ሰላም ዝረጋገፅ ሕገመንግስታዊ ወሰናት ትግራይ ከይተሸራረፉ ሙሉእ ብሙሉእ እንተኽበሩን እንትሕለዉን፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ መሊኦም እንትወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ተመሊሶም ስሩዕ ህይወት ምምራሕ እንትኽእሉን፤ ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ እንትትግበር ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፍነቶም ብዝግባእ ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
 
ግዝኣታዊ ወሰናት ትግራይ ብዝምልከት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያን ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢን ንክፍታሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዝፀንሐ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ዛጊድ ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ናይ ትግበራ ስምምዕ ከምዘይለ ኣብሪሁ ኣሎ። ቀፃሊ ኣብ ዝህሉ ናይ ፓነል ኣኼባ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ብምብፃሕ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ግቡእ መልሲ ንክረኽቡ ብፅንዓት ከምዝቃለስ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብበይናዊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘየድሊ ፅዕንቶን ፀቕጥን ንምፍጣር ዝግበር ምንቅስቓስ ትኽክል ስለዘይኮነ ብእዋኑ ክእረም ከምዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ።
 
ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ መንገዲ ንምትግባር ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ድሉውነቱ ዘረጋገፀ እቲ ካቢኔ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ብዝርዝር ንምርኣይን ቀፀልቲ መፍትሕታት ንምፃርን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክጓተት ዝፀንሐ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ስርሑ ክጅምር ይግባእ ኢሉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን እናተላዘቡ ፀገማት ንምቅላልን ምትእምማን ንምፍጣርን ብዝተወሰነ ብርኪ እናሰርሑ መፂኦም እዮም ዝበለ እቲ ካቢኔ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዝተማልአ መንገዲ ንምምላስ ከይዲ እቲ ልዝብ ካብ ክልተኣዊ መስርሕ ወፂኡ ናብ መስርሕ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ንክኣቱ ወሲኑ ኣሎ።
ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክኽተም ግደ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኢጋድ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ካልኦት ፈተውቲ ሃገራትን ዕዙዝ ከምዝነበረ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕዚ እውን እቲ ፓነል ስርሑ ክጅምርን እቲ ውዕሊ መሊኡ ክትግበርን ግቡኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ካብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብተወሳኺ ኩነታት ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ዝግበሩ ዘለዉ ወፍርታት ፀለመን ጠቐነን ብዝርዝር መርሚሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ወፍሪ ጠቐነ ተቐባልነት ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህልውና ህዝብና ዘነፃፀረ ጥቕዓት ከምዝኾነ ብልቢ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። ድሕሪ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዝግበር ወፍሪ ጠቐነ ስቕ ኢሉ ከምዘይርኢ እውን ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣስሚርሉ ኣሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
21 ለካቲት 2016ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons