ንኣባላት ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ፣ ግዝያዊ መስርሒ ቦታ ተዋሂቡ።
ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ን417 ዝኣኽሉ ብኽብሪ ተመለስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከባቢ ሚዘር 70 ካሬ፣ 15 ለካቲት 2016 ዓ.ም ብግዝያዊነት ንኽሰርሑሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክፍለ ከተማን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ እቲ ዕደላ ብዕሊ ተኸፊቱ።
ኣብቲ እዋን ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ኤልያስ ኪሮስ ከምዝበሉዎ፣ ኣብ ልዕሌና ተሃቂኑ ዝነበረ ሙሉእ ፅንተት ከቢድ መጉዳእቲ ኣካልን መስዋእትነትን ብምኽፋል ናብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክንበፅሕ ገይርኩምና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሳላኹም ከም ዘርኢ ‘ውን ክንቅፅል ክኢልና ኢና ኢሎም።
ኣስዒቦም፣ ንሓርበኛታት ተመለስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዘለዎም ናእዳን ኣድናቆትን ዝገለፁ ኣይተ ኤልያስ፣ ሂወትን ኣካልን ብምኽፋል ዘትረፍኩማ ዓዲ ካብታ መንግስቲ ኣጫሪቱ ንኢቨስትመንት ወይ መሰረተ ልምዓት ክጥቀመላ ተሓሲባ ዝነበረት ዓይኒ ቦታ ዘለና ኣኽብሮት ንምግላፅ ብግዝያውነት ክንዕድል ተገዲድና ኢና ኢሎም።
ዛጊድ ከም ክፍለ ከተማ ዋላ ዝምጥን ኣይኹን፤ በታ ዘላ ሃፍተ ገነት ባጀት መዲብና ኣብ መንገዲ ጋራጋንቲ፣ ኣብ ምሩፅ ሓመድ፣ ኣብ ናይ ደንቢ ስራሕቲን ኣብ ፅሬትን ምስ ናይ ሎማዓንቲ ሓዊሱ ብድምር ን982 ብኽብሪ ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ስራሕ ኣዋፊርና ኢና ኢሎም።
ሂወት ከፊልኩም ህዝብኹም ከምዘድሓንኩም፣ ሐዚ’ውን ከምታ ስረኹም ኣስጢምኹም ካብ ፅንተት ዘድሓንክምዎ ኣብታ ቃልሲ ዝተርኣየት ትብዓት ኣብ ስራሕ ብምድጋም፣ ብሓደ ገፅ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብምስራሕ ህዝብኹም ብምግልጋል እጃምኹም ክትዋፅኡ ይግባእ። በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ሎሚ ጥራሕ ኢድኩም ዝጀመርክምዎ ስራሕ ፅባሕ ልምዓታውያን ሰብ ሃፍትን ኢንቨስተራትን ክትኾኑ ትፅቢት እናገበርና ካብ ምምሕዳር ኣካላት ዝግበር ደገፍ ኣጠናኺርና ከም እንቕፅልሉ ‘ውን ከረጋግፀልኩም እፎቱ ብምባል ገሊፆም።
ምክትል መተሓባበሪ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ተጋዳላይ ሸዊት ይርጋይለ ብግድኡ እዚ ብክብሪ ዝተመለሰ ሰራዊት እዚ ብዙሕ ከርተትን መከራን ብምሕላፍ፣ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈን ስለ ዝኾነ ላዕልን ታሕትን ብምባል እቲ ዝተውሃቦ ዕድል ስራሕ ክተባባዕ ዝግባእ እዩ ክብሉ ንምምሕዳር ኣካላት ብምንኣድ ተወሳኺ ደገፋት ተጠናኺሮም ክኽፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ንተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾኑ ተመለስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድማ ኹሉ ግዘ ካብ ሰብ ተፀበይቲ ክትኾኑ ዘይኮነስ እቲ ዝተረኸበ ዕድል ተጠቒምኩም ከም መሰጋገሪ ክትገብርዎ ኣለኩም ክብል ተጋዳላይ ሸዊት ምዒዱ።
ኣቦ ወንበር ማሕበር ሚዘር 70 ካሬን ተወካሊ ምልስ ሰራዊት ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ተጋዳላይ ሙሉጌታ የዕብዮ ብወገኑ እቲ ዝተገበረሎም ዕደላ መስርሒ ቦታ ብምምስጋን ፤ ስለ ዝተፀገምና ዓብዪ ሸኽሚ ህዝብናን ምምሕዳርናን ኮይና ኢና ይኹን ‘በር ሐዚ ግና እቲ ዝተረኸበ ዕድል ብውሕሉል ኣገባብ ሰሪሕና ናብ ረብሓ ክንቅይሮ ኢና ክብል ኣረጋጊፁ።
እቲ ቀንዲ፣ ኣተሓሳስባ እንተልዩ ካብ ባዶ ምብጋስ ይከኣል እዩ። ክሳብ ሐዚ ኣብ እንሰርሖ ስራሕቲ ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ጎንና ይርከብ ዝበለ ተጋዳላይ የዕብዮ፣ ዝምልከቶም ኣካላትን ካልኦት ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን እትነብሩ ህዝብናን ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎንና ተሰለፉ ክብል ተማሕፂኑ ኣሎ።
እዚ መስርሒ መሸጢ ቦታ ነንሕድሕዶም ሰለስተ ብኣርባዕተ ሜትሮ ብድማር ን417 ኣባላት 1.943 ሄክታር ከም ዝተዓደሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ሓበሬታን ርክብን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ፀብፂቡ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
16 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons