ቢሮ መሬትን መዓድንን ኣብ ከይዲ ሊዝ ጨረታ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ዓበይቲ ፀገማት ከምዝተርኣዩ ገሊፁ።
እቲ ቢሮ ካብ መንጎ እቶም ዓበይቲ ፀገማት ኢሉ ዝገለፆም፣ ሓደ ሰብ ብርክት ዝበለ ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ መሬት ንምብሓት ዝገብር፤ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ንሓደ ካሬ ክሳብ 4 ሚልየን ብር ብምእታው ንኹሉ ተጫራታይ ንምዕፃው ዝገብር ከምዝነበረን ዝብሉ ኣዝዮም መፀገምቲ ተርእዮታት ከምዝነበሩ ተነፂሮም እዮም።
ብምዃኑ ነዞም ፀገማቶ ንምፍታሕ እቲ ዝመሓየሽ ዘሎ መምርሒ ነዚ ብዝቐርፍ መንገዲ ክማሓየሽ ከምዘለዎ ብርክት ዝበሉ ርኢቶታት ተዋሂቦም ኣለው ክብል ሓበሬታ ዝለኣኸልና ኮሙዩኒኬተር ቢሮ መሬትን መዓድንን እዩ።
እቲ ንቀፃሊ ዝወፅእ መምርሒ ነዞም ዓበይቲ ፀገማት ኣብ ግምት ብምእታው ክማሓየሽ ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
14 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons